እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
30 ሽሕ ፓውንድ ሰሪቑ ሚልዮናት ዘፍረየ መንእሰይ
እዚ መንእሰይ ኣብ 1997፡ ቸልትናም ኣብ ዝበሃል ቦታ አብ ዓዲ ኢንግሊዝ ምስ አዲኡ እንዳነበረ እዩ እዚ ናይ ንግዲ ሓሳብ መጺኡዎ።
እቲ ዝሓሰቦ ስራሕ "ዌብ ሆስት ሰርቪስ" እዩ። ዌብ ሆስት፡ ዓይነት ኣገልግሎት ኢንተርነት ኮይኑ፡ ናይ ካምፓኒታት ወይ እዉን ናይ ዉልቀ ሰባት ዌብሳይት፡ ዓለም ለኻዊ አገልግሎት ወይ እዉን መገድን መእተውን ንክህሉዎ ዘዳሉን ዝሕግዝን ጨንፈር እዩ።
ኣብቲ እዋን ከኣ፤ መብዛሕትአን እተን ንዌብሳይታት ዝምግባ (ዌብ-ሆስት) ናብተን ዓበይቲ ትካላት ቢዝነስ ጥራሕ የተኩራ ብምንባረን እተን ናእሽቱ ትካላት ንግዲ ኣገልግሎት ዝህበን ወይ ጠለባተን ዘማልእ ትካል ኣይነበረን።
ኣንድሩ እምበኣር ነዚ ዕድልን ክፍተት ናይ ዕዳጋን እዩ ተጠቒሙሉ። ምስ ሓደ መማህርቱ ኮይኑ ከኣ ነዚ ሃጓፍ እዚ ዝመልእ "ፋስት ሆስት" ዝበሃል ወሃቢ ኣገልግሎት ኢንተርነት ትካል ከፊቱ።
"ንስራሕ ዝኾና እኹላት ኮምፒተር ነይረናና። እቲ ሶፍትዌር'ዉን ባዕልና ኢና ሰሪሕናዮ። እቲ ቀንዲ ዘድልየና ነቲ ቢዝነስ ትንፋስ ዝህብ ቅልጡፍን ስሉጥን ኣገልግሎት ኢንተርነት ምርካብ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን እቲ ኩሉ ነገር ክቡርን ከቢድን እዩ ነይሩ። ነቲ አገልግሎት ክንጅመሮን ከነካይዶን ከአ፣ አስታት 30,000 ፓውንድ የድልየና ነይሩ። ግን ሰልዲ ዝበሃል ኣይነበረናን" ይብል ኣንድሩ ስለምንታይ ናይ ወላዲቱ ናይ ባንክ ካርድ ከም ዝተጠቕመ ክነግር እንከሎ።
ካልእ ኣማራጺ ዝሰኣነ ኣንድሩ፡ እንከይተማተአ ናይ ወላዲቱ ክረዲት ካርድ ተጠቒሙ ምስ ዓርኩ፡ ነቲ ትካል ንምምስራት ዘድልዮም ነገር ዓዳዲጎሙሉ። ከምኡ'ዉን፡ ነታ ትካል ንምፍላጥን ንምዕባይን ዝሕግዝ ኣብ ሓንቲ መጽሔት ናይ መወዓውዒ (ኣድቨርትዝመንት) ተኻርዮም።
ኣንድሩ ግን፣ ክንድ'ዚ ሰልዲ ከጥፍእ እንከሎ፣ እታ ምስ ካልኣዩ ኮይኑ ዝጀመራ ቢዝነስ፤ አብ ዉሽጢ ሓደ ወርሒ እኹል መኽሰብ ኣእትያስ ዕዳ ናይቲ ክረዲት ካርድ ክትከፍለሉ እዩ ዝሓሰብ ነይሩ።
ዕድል ገይሩ ከኣ ሓሳቡ ልቡ ሰመረሉ። ኣብ መወዳእታ ናይታ ወርሒ፣ እኹላት ዓማዊልን ነቲ ዘውጽኦ ገንዘብ ክኸፍለሉ ዝኽእል እኹል እቶት ረኺቡ። ኣዲኡ እውን ንሕልናኡ ርእያ ሕድገት ገበረትሉ።
ብድሕሪ'ዚ፣ መሓዝኡ ትምህርቱ ንምቕጻል ናብ ዩኒቨርስቲ ተጸንበረ። ኣንድሩ ግን፤ ነቲ ዝነበሮ መድብ ትምህርቲ ገዲፉ፣ ምሉእ ግዚኡ ኣብ ምዕባለ ቢዝነሱ ፋስት-ሆስትስ ከተኩር ወሰነ።
ድሕሪ ትሽዓተ ዓመት ከኣ እታ ትካሉ ብ61 ሚልዮን ፈረቓን ተሸይጣ። ኣብቲ ግዜ ኣንድሩ ወዲ 26 መንእሰይ ኮይኑ ወናኒ 75% ናይ ፋስት-ሆስትስ ስለዝነበረ አስታት 46 ሚልዮን ዝኣክል ሃብቲ ወነነ።
ድሕሪ ክልተ ዓመት ከኣ፣ ላይቭ ድራይቭ እትበሃል ናይ ክላዉድ መኽዘን ካምፓኒ መስረተ።
መኽዘን ክላዉድ፡ ብዝቐለለ አረዳድኣ መቐመጢ ዲጂታላዊ ሓበሬታ ኮይኑ፣ ኣብ ክንዲ ብመካኒካል ዝተሰርሐ ሃርድ ድራይቭ፡ ኣብ ኢንተርነት ክትክዝኖ ዘኽእል መሳርሒ እዩ።
ድሕሪ ቁሩብ እዋን እውን ነዛ ሓዳሽ ምህዝኡ፣ ወላ'ኳ እቲ ልክዕ ዋግኣ እንተዘይጠቐሶ፤ ብብዙሕ ሚልዮናት ሸይጡዋ።
ተፈላጥነቱ ከኣ ብንግድ ጥራሕ ዘይኮነስ በቲ ብቐጻሊ ዘካይዶ ዝነበረ ዝነበረ 'ፓርቲታት' ዕድመ ኣጋይሽ መዛረቢ ጋዜጣታት ኮነ።
እቲ ኣብ ፋስትሆስትስ ዘካይዶ ዝነበሮ ናይ ልደት ፓርቲ ከኣ፣ ገርልስ አላዉድን ሹጋ በይብስን ዝበሃላ ፉሉጣት ደረፍቲ ፤ ከምኡ'ዉን ዘ'ዳርክነስ ዝበሃሉ ተጻወትን፣ ጆነተን ሮስ ዝተባህለ ስሙይ ናይ ዕላል ምርእይት ዘካይድ
ይሕወሱዎ ነይሮም ብምንባሮም ብኡ መጠን ስሙ ዓበየ።
"ሰብ ምሕጓስን ምዝንጋዕን፤ ከምኡ'ዉን ፓርቲ ምስንዳእን ምስስሳይን ዓቢ ባህታ እዩ ዝህበኒ" ዝበለ ኣንድሩ፡ ሓደ እዋን ኣብ ልደት ዓርኩ ኣሸር ንዝተባህለ ፉሉጥ አሜሪካዊ ደራፍን ሰለብሪቲን ንኸጻዉት ዓደሞ።
ኣብ ሳይፕረስ ተወሊዱ፡ ኣብ ቸልትንሃም ዝዓበየ ኣንድሩ፣ ናይ ንግድ ኣተሓሳስብኡ ወይ ዉን ፍልጠቱ ካብ ኣብኡ ከም ዝወረሶ ኢዩ ዝገልጽ።
"አቦይ ከምቶም ብዙሓት ሳይፕረሳዉያን፣ ካብ ሳይፕረስ መጺኡ፡ ንእሽቶ ናይ ዓሳን ድንሽን ድኳንን ካፈን ከፊቱ። ብቑልዑነተይ ከኣ ብዙሕ ግዜ እየ ምስ ኣቦይ ዘሕልፍ ነይረ። ብዛዕባ ንግድ ክዛረብ እንከሎን ናይ ሽያጥ ገንዘብ ክእክብ እንከሎን ምስኡ ይኸይድ ነይረ። ካብ ቁልዕነተይ ሰልዲ እፈቱን ኣብ ስራሕ ነጠፍጠፍ እብልን ነይረ" ክብል ተመኩሮኡ ይገልጽ ኣንድሩ።
ሕጂ ተመሊሱ ክሓስቦ እንከሎ፡ ንፋስት-ሆስትስ ከዕብያ ክጽዕር እንከሎ፣ "ሓንጎለይን ቀልበይን ኩሉ ኣብቲ ቢዝነስ ኢዩ ነይሩ። ብጀካ ቢዝነስ ካልእ ዋለሓደ ኣየገድሰንን እዩ ነይሩ" ይብል ኣንድሩ። ይኹን እምበር እቲ ናቱ ቢዝነስ
አብ 2006 ምስ ሸጦ፣ ብሰልዲ እኳ ዕጉብ እንተነበረ፣ አብ ህይወቱ ግን ሙሉእ ሓጎስ ኣይነበሮን።
"እታ [ትካላይ ዝሸጥኩላ] መዓልቲ ጽቡቕ ገይረ እየ ዝዝክራ። እቲ ካብ መሸጣ እተረኽበ ገንዘብ ናብ ሕሳብ ባንከይ (ኣካውንተይ) ክኣቱ እንከሎ ኣብ ኦፊሰይ ነይረ። ሽዑ ኣዚዩ ዘዕግበንን ዘሐጉሰንን ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ግን ናብቲ ኦፊስ ምስ አተኹ ልበይ ዝትንክፍ ሓዘን ተሰሚዑኒ። እቲ ኩሉ ዝጸዓርኩሉ ስራሕ ናብ ቁጽርታትን ዳታን ተቐይሩ ምስረኣኹዎ ኣዚዩ ኣጒህዩኒ - ጉህየ" ይብል ኣንድሩ።
ብሰንኪ'ዚ ከኣ ንውሱን ግዜ አብ መስተን ብልዕን ምዝንጋዕን አሕለፎ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ግን ላይቭ ድራይቭ እትብል ሓዳስ ንግዳዊ ትካል መስረተ። አብ መጀመርታ፡ እታ ካምፓኒ ብዙሕ ተስፋ ኣይርአየትን። ብዙሓት
ተመሳሰልቲ ትካላት ንግድ ኣብ ዕዳጋ ስለዝነበራ ነቲ ትካል ንምልላይ ከበዶ።
ኣብ ንግዲ ዓለም ከኣ ናይ መጀመርታ ዉድቀቱ ክትከዉን ተቐረበላ። 'ብኣጋጣሚ ግን ሓደ መዓልቲ፡ ምስ ዓርከይ ናብ ለይታዊ ትልሂት ምስ ምስ ከድኩ፣ ዲክሰን ኣብ ዝበሃል ካምፓኒ ምስ ዝሰርሕ ሰብ ተመሓዝየ። ድሕሪ ሌላና
ብሓንሳብ ክንሰርሕ ጀመርና"ይብል ኣንድሩ።
እታ ኤለትሮኒክስ እትሸይጥ ዲክሰን ከኣ ንዕቤታ ክትብል ንመሳርሒታት "ላይቭ ድራይቭ" አዕብያቶን ምስ ላፕቶፕን ታብሌትን ብቐሊሉ ተጠሚሩ ከም ዝመጽእን ከም ዝሽየጥን ገበረቶ።
ላይቭ-ድራይቭ ከኣ ከም ቢዝነስ ተተኮሰት። ካብ ፋስትሆስትስ' ዉን ትዓብን ትፈለጥን ኮነት። ኣብ 2014 ከኣ ኣንድሩ ንላይቭ-ድራይቭ ሸይጡ፡ በቲ ኣጸቢቑ ዝለመዶን ዝመለኾን ዓዉዲ ንኹሎም ሞያውውያን ብዝቐለለ እተገልግል "ባርክ" እትብሃል ዌብሳይት መስረተ።
ባርክ ንኹሉ ዓይነት ሞያውያን፡ ንመምህር ጊታር ኮነ ዓራይ ናውቲ ገዛ፡ ከልቢ ንዘዛዉርን፣ ስፖርት ዘስርሕን ብሓፈሽኡ፡ ንሰባት ሰፊሕ ኣገልግሎት ዝህብ ንግዳዊ ትካል መስሪቱ።
ናይ ቴክኖሎጂ ጸብጻብ ዝህብ፡ ክሪስ ግሪን ዝበሃል ትካል፡ ንፋስት-ሆስትስ፡ ኣብ መደቀሲኻ ኬንኳ ብኮምፒተር እትጅምሮ ዘደንቕ ኣብነታዊ ስራሕ እዩ ክብል ገለጾ።
ዋላ እውን ነቲ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ኣንድሩ ቅልጡፍ ምዕባለን ዕቤትን እንተምጽኣሉ፡ ንህዝቢ እውን ኣብ ኣመዛጋግባ ናይ ዌብሳይትን ኣጠቓቕማ ዌብ ሆስት ዉን ኣቃሊሉ እዩ።
ክሳብ ሕጂ ላይቭ ድራይቭ፡ ኣብ ዓብን ናእሽቱን ትካልት ንግድ ብዙሕ ተፈላጥነት ገይሩ እዩ። ንመጻኢ እውን ኣንድሩ ኣብ ንግድን ምህዞን ብዙሕ ዘሀንጢ ሓሳብ ከምዘለዎ እዩ ዝገልጽ። "ብዙሕ ክህልወኒ እንከሎ፣ ብዙሕ እየ
ዝደሊ። ወላ እዉን እተን ክልተ ትካላት ንግደይ ዕዉታት እንተነበራ፣ ክሳብ ሕጂ ንነብሰይ ከም ዕውትቲ አይሓስባን እየ" ከኣ ይብል።