ህንዲ፡ ፓኪስታን ዝማረኸቶ ኣብራሪ ነፋሪት ውግእ ህንዲ ክትፈትሖ'ያ

ፓኪስታን ዝኣሰረቶ ኣብራሪ ነፋሪት ውግእ ህንዲ "ንምልክት ሰላም" ክትፈትሖ እያ ኢሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢምራን ክሃን።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር እዚ ውሳነ ንባይቶ ሃገሩ ወግዓዊ እትገብር፡ ፓኪስታን እቲ ወጥሪ ኣብ ምዝሕሓል'ያ ትኹረት ገይራ ኢሉ። ሓይሊ ምክልኻል ህንዲ ድማ ንውሳኔ ፓኪስታን ተቐቢሉ።

ፓኪስታን ትማሊ ንነፋሪት ህንዲ ወቒዓ ምስ ኣውደቐታ፡ ነቲ ኣብራሪ ዝማረኸት ኾይና፡ ብግዝኣት ካሽሚር ዝተልዓለ ምስሕሓብ እተን ሃገራት እናተጉሃሃረ መጺኡ'ዩ።

ምትሓዝ ኣብራሪ ኣብሂናንዳን ቫርታማን ንህንዲ ዓብዪ ኪሳራ'ዩ ነይሩ። ክልቲኤን ዝኣተውኦ ውጥጥ ከህድኣ ድማ ጸቕጢ ይግበረለን ኣሎ።

እቲ ፓይለት ክፍታሕ እዩ ምስ ተብሃለ ግን፡ ሎሚ መዓልቲ ሰበ ስልጣን ሓይሊ ኣየር ህንዲ "ብጣዕሚ ሕጉሳት" ኢና ክብል ንማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ተዛሪቦም።

ህንድን ፓኪስታንን፡ እተን ክልተ ወነንቲ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ዝኾና ሃገራት፡ብናይ ግዝኣት ካሽሚር ናይ ይግብኣኒ ምስሕሓብ ንዓመታት ኣብ ኲናት ተጸሚደን ጸኒሐን።

ሎሚ ንጉሆ፡ ህንዲ ነቲ ብናይ ፓኪስታን ናይ ኲናት ነፈርቲ ተውቒዑ ዝወደቐ ፓይሎታ ክፍታሕ ጠሊባ።

ምኒስትሪ ዜና ፓኪስታን ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ እቲ ዝተማረኸ ህንዳዊ ፓይሎት የዒንቱ ብጨርቂ ገጹ ድማ ብደም ተሸፊኑ የርኢ።

ህንዲ እቲ ዝተዘርግሐ ናይቲ ዝተሃስየ ፓይሎት ዘርኢ ቪድዮ "ጽዩፍ" ተግባር ኢዩ ኢላቶ።

ማሕበራዊ ሚድያ ዝጥቀሙ ህንዳውያን ነቲ ፓይሎት ጅግና ክሰምይዎ ከለው፡ ካልኦት ግና #ኣይፋል ኲናት ብዝብል ሃሽታግ ክልቲኤን ሃገራት ካብ ኲናት ነብሰን ክገትኣ ተማሕጺኖም።

እዚ ናይ ሕጅ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ድሕሪ 1971 ናይ መጀመርታ ፍጻመ ኢዩ። ኣብዚ ናይ ሕጂ ፍጻመ፡ ፓኪስታን ክልተ ናይ ህንዲ ናይ ኲናት ነፈርቲ ኣውዲቐ ድሕሪ ምባላ እቲ ወጥሪ ሰማይ ዓሪጉ።

እዚ ድማ ህንዲ ድሕሪ 40 ዝኾኑ ኣብ ካሽሚር ዝርከቡ ወተሃደራታ ብፓኪስታናውያን ርእሰ ቅትለት ዝፈጸሙ ሚሊሽያ ተቐቲሎምኒ ኢላ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ኣብቲ ናይቶም ሚሊሽያ መዓስከር ድሕሪ ምክያዳ ኢዩ እቲ ወጥሪ ተኸሲቱ።

ፓኪስታን ከም ዝበለቶ፡ ክልተ ናይ ህንዲ ናይ ኲናት ነፈርቲ ንሕጋዊ ግዝኣት ፓኪስታን ሰጊረን መጥቃዕቲ ምስ ፈጸማ ኢና ኣውዲቕናየን ኢላ።

ብድሕሪኡ ምኒስትሪ ዜና ፓኪስታን ምስሊ ናይ ሓንቲ ካብተን ዝወደቓ ነፈርቲ ኣብ ትዊት ዘርጊሓቶ።

ኣፈኛ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ህንዲ፡ ራቬሽ ኩማ ድማ ሓንቲ ሚግ 21 ነፋሪት ህንዲ ምስ ፓይሎታ ከም ዝጠፍአት ገሊጹ።

ብሮቡዕ፡ ኣሜሪካ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ካብ ዝኾነ ወተሃደራዊ ስጉምታት ክቑጠባ ተማሕጺና።

እቲ ፓይሎት እንታይ ኣጓኒፍዎ?

እቲ ህንዳዊ ፓይሎት፡ ኣብሂናንዳን፡ "ኣብ ስርሒት ከሎ ጠፊኡ" ኢሎም ናይ ህንዲ ሰበስልጣናት።

ብድሕሪኡ፡ ከም ዝተማረኸ ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ። ኣብቲ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ እቲ ህንዳዊ ምሩኽ ፓይሎት ብኣብ ካሽሚር ዝነብሩ ፓኪስታናውያን ክጋፋዕ ከሎ የርኢ። እቲ ተግባር ክኹነን ከሎ፡ ፓኪስታናውያን ወተሃደራት ግና ነቲ ምግፋዕ ደው ንምባል ዝወሰድዎ ስጉምቲ ድማ ተሞጊሱ።

ኣብቲ እቲ የዒንቱ ዝተሸፈነ ህንዳዊ ምሩኽ ዘርኢ ቪድዮ'ውን እቲ ምሩኽ ማይ ኣስትዩኒ ኢሉ ክልምን ይስማዕ ነይሩ፡ ዳሕራይ ግና ሚኒስትሩ ዜና ፓኪስታን ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ዝዘርግሓቶ ቪድዮ ኣልያቶ።

ድሒሩ ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ግና ኮማንደር ኣብሂናንዳን የዒንቱ ከይተሸፈነ ጸርዩ ሻሂ ክሰቲ ከሎን ሓደ ሓደ ሕቶታት - ስሙን ማዕርጉን ካበየና ክፍሊ ህንዲ ከም ዝኾነን ክምልሽ ከሎ ተራእዩ።

ኣፈኛ ሰራዊት ፓኪስታን፡ ሜጀር-ጀነራል ኣስፊ ጋህፎር፡ እቲ ምሩኽ ፓይሎት "ብመሰረት እቲ ንቡር ወታሃደራዊ ስነምግባር ክንክን ይግበረሉ ኣሎ" ኢሉ።

ፓኪስታንን ህንድን እንታይ ይብላ ኣለዋ?

ብድሕርዚ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ፓኪስታን ኣብ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ዝዓጠቕናዮ ኣጽዋር ኣብ ግምት የእቲኻ" እዚ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ንኽልቲኤን ሃገራት ኣየዋጽእንን ኢዩ ኢሉ።

"ኮፍ ኢልና ክንዝቲ ኣሎና" ኢሉ።

"ህንዲ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ዝያዳ ክላባዕ ኣይትደልን ኢያ" ኢሉ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ህንዲ፡ ሱሽማ ስዋራጅ ድሕሪ ምስ ናይ ሩስያን ቻይናን ምኒስተራት ኣብ ቻይና ኣብዝገበሮ ርክብ።