እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህንዲ፡ 'ዝሰኸረ' ዶክተር ንነፍሰጾር ኣደ ብዘካየዶ መጥባሕቲ ኣደን ዕሸልን ሞይቶም
ኣብ ህንዲ ዞባ ጉጃራት፡ ሓደ ዶክተር ብመስተ ተሰኒፉ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ነፍሰጾር ኣደ ናይ መሕረስቲ መጥባሕቲ ብምክያዱ ከምዝተኣስረ ፖሊስ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ህጻን ድሕሪ እቲ መጥባሕቲ ሽዑንሽዑ ክመውት ከሎ እታ ኣደ'ውን ኣይጸንሐትን።
ፖሊስ ብዝገበሮ ናይ ትንፋስ መርመራ፡ እቲ ዶክተር ሰኺሩ ምንባሩ ከም ዝተረጋገጸ ይሕብር።
እቲ ሞት ዘጋጠመ፡ ብሰንኪ ሸለልትነት ድዩ ወላስ ካልእ ሕክምናዊ ምኽንያታት ምጽራያት ይግበር ኣሎ።
ዶክተር ፒጀይ ላክሃኒ፡ ኣብቲ ብመንግስቲ ዝውነን ሶንቫላ ዝተብሃለ ሆስፒታል ን15 ዓመታት ዝሰርሐ፡ ምኩር ሓኪም ኢዩ።
እታ ካሚኒ ቻይ ዝተብሃለት ኣደ፡ ሰኑይ ምሸት፡ ሕማም ሕርሲ ብምትሓዛ'ያ ናብቲ ሆስፒታል ተወሲዳ።
እቶም ዝጽበዩ ዝነበሩ ስድራቤታ፡ እቲ ህጻን ከም ዝሞተን፡ እታ ኣደ ድማ ብዙሕ ደም ይፈሳ ከም ዝነበረን ሓበሬታ ከም ዝተዋህቦም፡ መራኸቢ ብዙሓን እቲ ከባቢ ጸብጺበን።
ብድሕሪ እዚ፡ እቲ ስድራ፡ ነታ ኣደ ናብ ብብሕቲ ዝውነን ሆስፒታል ከሰጋግርዋ እኳ እንተፈተኑ፡ ኣብኡ ከይበጽሐት ከም ዝሞተት ተገሊጹ።
እቲ ስድራቤት መጉዳእቲ ከየብጽሓሉ ብምስጋእ ሓገዝ ንምሕታት፡ ዶክተር ላክሃኒ ናብ ፖሊስ ከም ዝደወለ ፖሊስ ሓቢሩ።
"ኣብኡ ምስ በጻሕና ሰኺሩ ጸኒሑና ስለዚ ድማ ኣብ ቀይዲ ኣእቲናዮ" ክብል ህዝባዊ ርክባት ፖሊስ፡ ንቢቢሲ ጉጃራቲ ተዛሪቡ።
ጠንቂ እቲ ሞት ንምጽራይ፡ እቲ ሆስፒታል ኮሚተ ኣቚሙ፡ ከም ዘሎ ክፍለጥ ተካኢሉ ኣሎ።