እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስሎቬንያ፡ ሳንዱዊች ዝሰረቐ ኣባል ፓርላማ ስልጣኑ ክለቅቕ ተገዲዱ
ኣባል ባይቶ (ፓርላማ) ስሎቬንያ ካብ ሓደ ዓብዪ እንዳ ሸቐጥ (ሱፕር ማርኬት) ሳንዱዊች ድሕሪ ምስራቑ ካብ ሓላፍነቱ ወሪዱ።
ዳራይጀ ክሬሲክ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ዓብዪ እንዳ ሸቐጥ ዕሽሽ ስለ ዝበልዎ ከም ዘሕረቐን፡ ንብቕዓት ሓለዋ ክፍትኖም ድማ ክፍሊት ከይፈፀመ ክወፅእ ምውሳኑን ተዛሪቡ።
እቲ ዝተፈፀመ ስርቂ ዘይተፈለጠ'ኳ እንተነበረ፡ ኣባል ነታ ሃገር ይመርሕ ዘሎ ሰልፊ 'ኤል ኤም ኤስ' ዝኾነ ዳራይጀ ግን ክፍሊት ንምፍፃም ተመሊሱ ከም ዝኸደ ይገልፅ።
"ማሕበራዊ ፈተነ" ንምክያድ ብዝፈፀሞ ተግባር ከም ዝተጠዓሰ ብምግላፅ ድማ ይቕረታ ሓቲቱ።
እዚ ተግባሩ ክቃላዕ ዝኸኣለ ብረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኮሚቴ ኣባላት ባይቶ፡ ብዛዕባ እቲ ፍፃመ ነቶም ተኣከብቲ ብምዝራቡ'ዩ።
"ኣብቲ ዝኽፈለሉ ቦታ ገለ ሰለስተ ደቓይቕ ደው ኢለ ክፅበይ ነይሩኒ" ክብል ንሓደ ናይ ብሕቲ ጣብያ ተሌቪዥን ገሊፁ።
ሰለስተ ሰራሕተኛታት እቲ 'ሱፐር ማርኬት' ኣብ ሞንጎኦም ብዝሓዝዎ ዕላል፡ ንዳራይጀ ክሬሲክ ክርእይዎ ኣይከኣሉን። በዚ ድማ ነቶም ሰራሕተኛታት ክፍትኖም ወሲኑ።
"ከርክበኒ ዝፈተነ ኣይነበረን፤ ዝተደሃየኒ'ውን ኣይሰማዕኩን" ኢሉ እቲ ኣባል ባይቶ።
ብሬን ጎሉብቪች ዝተበሃሉ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሰልፊ 'ኤል ኤም ኤስ'፡ "ተቐባልነት ዘይብሉ" ክብሉ ነቲ ተግባር ኮኒኖም።
"ንተግባሩ ሓላፍነት ብምውሳድ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ወሲኑ'ሎ" ክብሉ'ውን ወሲኾም ገሊፆም።