ሃንጋሪ፡ መጠን ወሊድ ንምውሳኽ ምቁራፅ ግብርን ምሕረት ዕዳን ክትፍፅም'ያ

ቀዳማይ ሚንስትር ሃገረ ሃንጋሪ፡ ኣርባዕተ ቆልዑን ልዕሊኡን ዝወልዳ ሃንጋሪያውያን ኣደታት ኣብ ሙሉእ ዕድሚአን ካብ ኣታዊአን ግብሪ ከም ዘይኸፍላ ኣፍሊጦም።

ኣብታ ሃገር ድማ፡ ቁፅሪ ዝውለዱ ህፃናት ንምውሳኽ ዝዓለመ ውጥን ወግዓዊ ኮይኑ ኣሎ።

ቪክቶር ኦርባን፡ እዚ ውሳነ ኣብ ፍልሰት ዘይተመርኮሰ መፃኢ ሃገሮም ንምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ብዝሒ ህዝቢ ሃንጋሪ ኣብ ዓመት ብ32,000 ምንካይ ዝተርኣዮ ኮይኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ እታ ሃገር ምስ ናይ ኣውሮፓ ክነፃፀራ ከለዋ ዝነኣሰ ቁፅሪ ውላድ ኣለወን።

በቲ ሓድሽ ስጉምቲ፡ ሓደሽቲ መፃምዲ ካብ ወለድ ነፃ ዝኾነ 10 ሚልዮን ፎሪንት [ገንዘብ እታ ሃገር] ማለት 36,000 ዶላር ኣሜሪካ ክረኽቡ፡ ሰለስተ ቆልዑ ምስ ወለዱ ድማ እቲ ልቓሕ ክስረዘሎም ከም ዝግበር ተገለፁ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኦርባን "ምዕራባውያን" ነቲ ኣብ ኣውሮፓ ዘጋጥም ምንቁልቋል መጠን ወሊድ ከም መልሲ ዘቐምጥዎ ፍልሰት ('ኢሚግሬሸን') ኮይኑ ምፅንሑ ብምሕባር፡ "ነብሲ ወከፍ ዝጎድል ህፃን በቲ ዝመፅእ ካልእ ይትካእ፤ ሽዑ ድማ እቲ ቑፅሪ ይመጣጠን" ክብሉ ነቲ ዝፀንሐ እምነት የረድኡ።

"ሃንጋራውያን ግን ዝተፈለየ ሓሳብ'ዩ ዘለና። ኣብ ቁፅሪ ዘይኮነስ ሃንጋራውያን ቆልዑ ክህልዉና ኢና ንደልይ" ኢሉ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዘስምዕዎ ህዝባዊ መደረ'ዩ ንመጠን ወሊድ ንምትብባዕ ዝተዳለወ በዓል ሸውዓተ ነጥቢ ውጥን ብወግዒ ዘፍለሙ።

ኣብ ውጥን መንግስቲ ካብ ዝተኻተቱ ነጥብታት፡

  • ኣብ ዝመፅኡ ሰለስተ ዓመታት ዝኽፈቱ 21,000 መሕብሐቢ ወይ መውዓሊ ህፃናት
  • ኣብ ስርዓተ ጥዕና እታ ሃገር ፈሰስ ዝግበር ተወሳኺ 2.5 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ
  • ኣብ ምውናን መንበሪ ገዛ ዝግበር ድጎማ
  • ሸውዓተ ሰብ ኮፍ ዘብላ መኻይን ንዝዕድጉ ዜጋታት ዝግበር ሓገዝ መንግስቲ