ኣሜሪካ ዳግማይ ምዕጻው ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ የንጸላልዋ

ኣብ መንጎ ኣባላት ባይቶ ሪፓብሊካንን ዲሞክራትን ኣሜሪካ ዳግማይ ምዕጻው ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ንኸይህሉ ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ብዘይ ፍረ ተዛዚሙ።

እቶም ተጋባእቲ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝተሰለዐ ባጀት ቅድሚ ምውድኡ ንሰኑይ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሑ`ሞ ንባይቶ ዝመጽእ ዓርቢ ውሳነ ከሕልፍ ጊዜ ክህብዎ ተስፋ ገይሮም ነይሮም።

እቲ ዘይምርድዳእ፡ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ንመስርሒ መንደቕ ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ግድን ገንዘብ ክወሃበኒ`ለዎ ብምባሉ`ዩ ስዒቡ መጺኡ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ናይ 35 መዓልታት ምዕጻው ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ናይ ፈለማ`ዩ ነይሩ።

ዲሞክራትስ ኣባላት ባይቶ፡ ሰብ መዚ ኢሚግሬሽንን ጉምሩኽን ኣብ ክንዲ ነቶም ኣብ ኣሜሪካ ናይ ምጽናሕ ጊዜኦም ዘሕለፉ ሰባት ምእሳር፡ ነቶም ገበን ዝፈጸሙ ጥራይ ክኣስሩ ኣለዎም ብምባሎም`ዩ እዚ ናይ ሕጂ ምፍጣጥ ተፈጢሩ ኢላ ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ።

ኣባላት ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራትስ ኣብ`ቲ ኣብ ኣሜሪካ ናይ ምጽናሕ ጊዜኦም ዘሕለፉ ሰባት ዝዳጎንሉ ማእከል ዘሎ ዓራውቲ 16,500 ጥራይ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

እዚ ቁጽሪ`ዚ እቲ ልክዕ ቁጽሪ ኣብ መወዳእታ እዋን ፕረሲደንትነት ባራክ ኦባማ ዝነበረ ቁጽሪ ድጉናት ሰባት`ዩ ነይሩ ኢላ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት።

እቶም ተጋባእቲ፡ ኣብ ክንዲ`ቲ ትራምፕ ዝጠለቦ 5.7 ቢሊዮን ዶላር መስርሒ መንደቕ፡ ካብ 1.3 ቢሊዮንን ክሳብ 2 ቢሊዮንን ዶላር ክዋሃቦ ኣብ ግምት ኣእትዮም ከምዝነበሩ ጸብጻባት ይሕብሩ።

`ኣብ`ቲ ዝድለ ዘሎ መደምደምታ ክንበጽሕ ኢና ዝብል እምነት የብለይን` ኢሉ ኣብ`ቲ ዝርርብ፡ ንሪፓብሊካን ኣባላት ባይቶ ዝመርሐ ሰኔተር ሪቻርድ ሸልቢ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

`ኣብ ፍርቂ-ፍርቂ ስምምዕ ክንበጽሕ ንኽእል ኢና ምበልኩ` ድሕሪ ምባል ድማ `ተኽእሎ ምዕጻው ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ግን ወትሩ ኣብ ቦትኡ`ሎ` ኢሉ።

ሓደ ካብ ኣባላት ባይቶ ዲሞክራትስ ዝኾነ ተጋባኣይ ጆን ቴስተር ግን ምዕጻው ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ከወግድ ዝኽእል ስምምዕ ክብጻሕ ከምዝኽእል ተስፍኡ ገሊጹ።

`እዚ`ኮ ዝርርብ`ዩ። ዝርርብ ከአ ኩሉ ጊዜ ብጽቡቕ ይኸይድ ማለት ኣይኮነን` ኢሉ ብሰንበት ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።

ኣብ ዕለት 25 ጥሪ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ ባይቶ ኣብ ሓደ ስምምዕ ንኽበጽሕ ዕድል ንምሃብ ኢሉ ናይ ሰለስተ ሰሙናት ባጀት ብምስላዕ ነቲ ምዕጻው ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ንግዜኡ ከብቅዕ ገይሩ ነይሩ።

ትራምፕ ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫ 2016፡ እንተድኣ ተመሪጹ፡ ምዕጋት ዘይሕጋውያን ፍልሰተኛታት ከም ቀንዲ ዕላምኡ ክገብሮ ምዃኑ ጎስጒሱ ነይሩ። ምምሕዳሩ ድማ ጽዑቕ ምስጓግ ዘይሕጋውያን ፍልሰተኛታት ኣካይዱ`ዩ።

ትራምፕ ነቲ ሜክሲኮ ገለ ወጻኢታት ናይ`ቲ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ዝህነጽ መንደቕ ክትከፍል ኣለዋ ዝብል ጠለቡ ግን ኣወንዚፍዎ`ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዘስምዖ ዓመታዊ ሃገራዊ መደረ ግን `ውሕሉልን ስትራቴጂካውን ዝኾነ ናይ ሓጺን ሓጹር ክህሉ ኣለዎ` ኢሉ።

ሓድሽ ምዕጻው ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ እንተስዒቡ ግን፡ ንሆምላንድ ሰኲሪቲ፣ ክፍልታት ሕርሻን ንግድን ሓዊስካ ሓያሎ ፈደራል መንግስታዊ ትካላት፡ ገንዘብ ኣይክረኽባን`የን ማለት`ዩ።

እዚ ማለት ድማ 800,000 ሰራሕተኛታት ፈደራል መንግስቲ ደሞዝ ኣይክኽፈሉን`ዮም ማለት`ዩ።

ኣብ እዋን ናይ`ቲ ዝሓለፈ ምዕጻው ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ገለ ሰራሕተኛታት ብዘይ ክፍሊት ስርሖም ቀጺሎም ገለ ድማ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ፍቓድ ሓቲቶም።