ጎንፂ ጎንደር፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ብዝተልዓለ ጎንጺ 39ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም

ኣብዚ ሰሙን፡ ኣብ ጎንደርን ከባቢኣን ብዝተልዓሉ ጎንጺታት፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከም ዝበጽሐን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝተመዛበሉን መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ኮሚዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ኣሰማኸኝ ኣስረስ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ፡ ንጋዜጠኛታት መግለጺ ሂቡ።

"ኣብዚ ሰሙን ኣብ ማእኸላዊ ጎንደር ወረዳ ምብራቕ ደምቢያ፣ ኣርማጭሆ ከምኡ'ውን ጭልጋ ግጭታት ተላዒሎም፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ጉድኣት ኣብጺሖም። ኣብ ከባቢ ጎንደር ብዝተኸሰተ ግጭት ድማ፡ ቑጽሪ ተመዛበልቲ ናብ 39ሽሕ ኣብጺሑዎ'ዩ" ኢሉ።

ዝሓለፈ ሰሙን ዓርቢ፡ ኣብ ማእኸላይ ጎንደር ዝነበረ መበል 24 ክፍለ ጦር ምክልኻል ሰራዊት፡ ቦትኡ ለቒቑ ንመበል 33 ክፍለ ጦር ክሳብ ዘረክብ ብዝተፈጠረ ክፍተት፡ "ጽንፈኛ" ዝበሎም ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ተኹሲ ብምኽፋቶም፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ህይወት ሰብ ከም ዝጠፍአ'ውን ተዛሪቡ።

ብድሕሪ እቲ ዕለት ኣብ ዘለው መዓልታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጣብያታት ህይወት ሰብ ከም ዝጠፍአን፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣባይቲ ብሓዊ ከም ዝተቓጸሉን ኣብሪሁ።

ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 27፣ 28ን 29ን ጥሪ 2011 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ፡ 'ነባር ጭልጋ' ኣብ ዝተብሃለ ወረዳ፡ መቋሚያ ማርያም፣ ችሃ ማንጊያ፣ አማኑኤል ቀን ወጣ፣ ናራን ኣንከር ኣደዛን ኣብ ዝተብሃላ ጣብያታት፡ ኣባይቲ ከም ዝተቓጸሉ፣ ኣብ 29ን 30 ጥሪ ድማ ኣብ ወረዳ ደምቢያ፡ ጣቢያታት ሰቀልተ ሰሃ መንጌን ድርማራን ኣባይቲ ተቓጺሎም፤ ህይወት ሓደ ሰብ ድማ ጠፊኡ ክብል ኣብሪሁ።

ኣቶ ኣሰማሀኝ ከም ዝበሎ፡ ትማሊ ምሸት ኣብ ጎንደር ብማሕበር ዝተወደቡ መናእሰይ ኣብ ዘጣየሽዎ መርብሒ ከፍቲ ባርዕ ዘጓነፈ ኮይኑ፡ 40 ከፍቲ ተቓጺለን እየን።

እዚ ምስቲ ዘሎ ዘይምርግጋእ ከም ዘይዛመድን ክጻረ ከም ዘለዎን ዝገለጸ ኣቶ ኣሰማሀኝ፡ ኣብ ምዕራብ ጎንደር'ውን ግጭት ከም ዝነበረን ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ምብጽሑን ተዛሪቡ።

ኣብ ከባቢ መተማ'ውን ጸገም ተፈጢሩ ህይወት ሰብ ሓሊፉ'ዩ ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ "ኣብ ምዕራብ ጎንደር ተላዒሉ ዝነበረ ግጭት ናብ ሰላም ይመጽእ ኣሎ'ዩ" ኢሉ።

በዚ ኹሉ ዝተመዛበሉ ሰባት እንታይ ይቐርበሎም ኣሎ? ተባሂሉ ዝተሓተተ ኣቶ ኣሰማሀኝ፡ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ይገብር ምህላው ብምግላጽ፡ እቲ ማሕበረሰብ'ውን ነንርእሱ ይተሓጋገዝ ምህላዉ ሓቢሩ።

ኣብዚ ዕለት፡ ካብ ጎንደር ናብ ኣርማጭሆ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ጀሚሩ'ኳ እንተነበረ፡ ክልተ ሰባት ምስ ተዓገቱ ግን፡ ዳግም ከም ዝተቛረጸ ተዛሪቡ።