ኣሜሪካዊ ቢልዮነር ጄፍ ቤዞስ ንጋዜጣ ናሽናል ኢንኳይረር 'ኣፈራሪሓትኒ' ክብል ከሲሱ

ጄፍ ቤዞስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጄፍ ቤዞስ

ወናኒ ትካል Amazon.com ጄፍ ቤዞስ፡ መጽሄት ናሽናል ኢንኳይረር ጽዩፍ ስእልታቱ ክሓትሞ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ከፈራርሖ ከምዝፈተነ ገሊጹ።

ጄፍ ቤዞስን ብዓልቲ ቤቱ ማኬንዚን ይፋትሑ ከምዘለዉ ዝገለጹ ዝሓለፈ ወርሒ ነይሩ።

እቲ ፍትሕ ዕላዊ ምስኮነ ድሕሪ ሰዓታት፡ ጄፍ ቤዞስ ካብ ሓዳሩ ወጻኢ ዘለዎ ዝምድናታት ዝገልጽ ዝርዝር ነገር ኣብቲ መጽሄት ተሓቲሙ እዩ። እዚ ድማ ናይ ብሕቲ መልእኽትታት'ውን ዝሓውስ እዩ ነይሩ።

እቲ መጽሄት ዝሓተሞ ናይ ብሕቲ መልእኽትታቱ ከመይ ከምዝተረኸበ ንምፍላጥ ምጽራይ ይገብር ስለዝነበረ፡ ነዚ ደው ከብል መፈራርሒ ከምዝተሰደድሉ ተዛሪቡ።

ጄፍ ቤዞስን ብዓልቲ ቤቱ ማኬንዚን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጄፍ ቤዞስን ብዓልቲ ቤቱ ማኬንዚን

ጄፍ ቤዞስ እንታይ ይብል?

ጄፍ እዚ ኩሉ ምንዋርን ውርደትን ብሰንኪ`ታ ዝውንና ጋዜጣ ዋሺንግቶን ፖስት ምስ ገለ ሰበስልጣናት እንተላይ ፕሬዚደንት ትራምፕ ዝፈጠረቶ ጽልኢ ዝብገስ ኢዩ ኢሉ።

ኣብ ዓለም እቲ ዝሃብተመ ሰብን ወናኒ ትካል ኣማዞን ጄፍ ቤዞስ፡ መጽሄት ናሽናል ኢንኳይረር ገለ ዘሕንኽ ስእልታቱ ክሓትሞ ከምዝኾነ ዝሕነይ ኢሜይል ብሞንጎኛታት ኣቢሉ ከምዝሰደደሉ እዩ ዝዛረብ።

ጄፍ ቤዞስ ከምዝብሎ፤ ነዚ መጽሄት ዝሕትም ናይ ኣሜሪካ ናይ ዜና ማዕከን [American Media Inc- AMI]፡ ኣብ ዝሰደደሉ ኢሜል፡ ምስ ኣፍቃሪቱ ለውሬን ሳንቼዝ ዝተሳእሎ ስእሊ ኣብቲ መጽሄቱ ክቕርቦ ከምዝኾነ እዩ ሃዲድዎ።

እቲ ቢልዮነር ከምዝበሎ AMI፡ ናሽናል ኢንኳይረር ብዛዕብኡን ኣፍቃሪቱን ዝዘርግሖ ዜና ፖለቲካዊ መበገሲ ከምዘይብሉ ``ናይ ሓሶት መግለጺ`` ክህብ ኢዩ ነይሩ ድልየቱ።

ናይቲ ትካል ጠበቓታት ብሮቡዕ ኣብ ዝለኣኸሉ መልእኽቲ፡ እቲ ብዛዕብኡ ዝተሓተመ ዛንታ ፖለቲካዊ መበገሲ ዘለዎ ከምዘይኮነ እንተድኣ መገልጺ ሂቡ፡ እቲ ዝተባህለ ስእልታት ከምዘይሕተም ከምዝገለጽሉ ይዛረብ።

ኣብ ክንዲ ነቲ ናይ ምጽላምን ምንዋርን መደባቶም ምንብርካኽ፡ ምስ ኩሉ ክስዕቦ ዝኽእል ውርደት፡ ኩሉ ዝሰደዱለይ መልእኽታት ከምዘለዎ ክሓትሞ ወሲነ ድማ ኢሉ።

ጄፍ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ American Media Inc- AMI ምስ ፕሬዚደንት ትራምፕ ምትእስሳር ከምዘለዎ ጠቒሱ ነይሩ።

ለውሬን ሳንቼዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ለውሬን ሳንቼዝ ቅድም ክብል ናይ ቴሌቪዥን መደብ ኣቕራቢት ዝነበረት እያ

ስለምንታይ`ዩ ስም ናይ ፕሬዚደንት ትራምፕ ተላዒሉ?

ጠንቂ ናይዚ ኹሉ፡ እታ ጄፍ ቤዞስ ዝውንና ጋዜጣ ዋሺንግቶን ፖስት ኢያ እዩ ዝብል።

ብሰንኪ`ታ ጋዜጣ፡ ጄፍ ቦዜስ ምስ ``ገለ ሰበ ስልጣናት`` እንተላይ ምስቲ ቀንዲ ዓርኪ ወናኒ American Media Inc፡ ዝኾነ ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ጽልኢ መስሪቱ።

እንታይ`ዩ ናይ ቤዞስ ባህርያት?

እቲ ወናኒ ትካል ኣማዞን ብዛዕባ`ቲ ከስዕቦ ዝኽእል ውርደት ክኽውሎ ኣይፈተነን፡ ``ርግጽ ስእልታተይ ኣብ ቃልዕ ክወጽእ ኣይደልን ኢየ፡ እንተኾነ American Media Inc ነቲ ናይ ጋዜጠኝነት ሓልፋታት ከም መሳርሒ ክጥቀመሉ ጸኒሑ ኢዩ።

ኣነ ከም ሰብ ኣብቲ ንሳቶም ዝልለይሉ ስም ናይ ምጥፋእን ብልሽውናን ስርሓት ክካፍል ኣይደልን እየ። በንጻሩ ኣንጻር`ዚ ስርሓት ክምክት ይመርጽ" ኢሉ ጄፍ ቤዞስ።