ኣመሪካ 'ኣይረን ዶም' ዝበሃል ናይ እስራኤል ጸረ ሮኬት ኣጽዋር ክትዕድግ እያ

ምክልኻል ኣመሪካ፡ ነቲ 'ኣይረን ዶም' ዝበሃል ናይ እስራኤል ጸረ ሮኬት ኣጽዋር ዓዲጉ ንምፍታን ትልሚ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

እዚ ኣጽዋር፡ ራዳር ከምኡ ድማ መከላኸሊ ተወንጫፊ ብምጥቃም፡ ሮኬታት ጸላኢ ዘፍሽል ክኸውን ከሎ፡ እስራኤል ካብ 2011 ጀሚራ ክትግልገለሉ ጸኒሓ እያ።

ምክልኻል ኣመሪካ፡ እዚ ኣጽዋር ንፈተነ ከምዝውዕልን፤ ኣብ መጻኢ ብሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ኣገልግሎት ዝውዕለሉ ኣማራጽታት ከምዝግምገምን ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ እዚ መሸጣ "ነታ ሃገር ዓብዪ ዓወት እዩ" ክብል ገሊጽዎ።

"እዚ ምስ ኣመሪካ ዘለና ጥንኩር ምሕዝነት እናዓሞቐ ይኸይድ ከምዘሎን፤ ከምኡ ድማ ኣብ ዓለም እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ናይ እስራኤል ደረጃን ዘርእይ ካልእ መግለጺ እዩ" ኢሉ።

ሰብመዚ እስራኤል ከምዝብልዎ፡ እዚ ጸረ ሮኬት ኣጽዋር ኣብ ዝኾነ ዓይነት ኩነታት ኣየር ዝሰርሕ፣ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክጓዓዝ ዝኽእል፡ ከምኡ ድማ 90 ሚእታዊት ዕውት መኸተ ክገብር ዝኽእል እዩ።

እዚ ጸረ ሮኬት መሳርሒ፡ ክንዲ ሓንቲ-ከተማ ንዝኸውን ቦታ፡ ብኣየር ንዝመጹ ሓደጋታት ክከላኸል ዝኽእል ከምዝኾነ ይዝረብ።

እስራኤል፡ ካብ ወሽመጥ ጋዛ ብፍልስጤማውያን ዕጡቓት ዝትኮሱላ ተወንጨፍቲ ንምብርዓን ብዙሕ ተጠቒማትሉ እያ።

እዚ መከላኸሊ ስርዓት ክምዕብል ዓመታት ዝወሰደ ክኸውን ከሎ፡ ኣመሪካ ዛጊድ ኣብ ምምዕባል እዚ ኣጽዋር ሓያሎ ገንዘባዊ ድጋፍ ገይራ እያ። ገለ ክፋላት እቲ ኣጽዋር እውን፡ ካብ ትካላት ኣመሪካ ዝመጽእ እዩ።