ቨነዙዌላ፡ ፕረዚደንት ምዃኑ ባዕሉ ዝኣወጀ ዩዋን ጉዋይዶ ኣፍልጦ ሃገራት ኣውሮጳ ይረክብ

ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ስፐይንን ዝርከበአን ሓያሎ ሃገራት ኣውሮጳ ነቲ ባዕሉ ግዝያዊ ፕረዚደንት ቨነዙዌላ ምዃኑ ዝኣወጀ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ዩዋን ጉዋይዶ ብወግዒ ኣፍልጦ ሂበን።

እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ ከም ብሓድሽ ምርጫ ክጽውዕ ዝተዋህቦ ክሳብ ትማሊ ሰንበት ዝጸንሐ ናይ ግዜ ገደብ ድሕሪ ምንጻጉ'የን እተን ሃገራት ነቲ ስጉምቲ ወሲደን።

መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ጉዋይዶ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ንርእሱ ከም መሰጋገሪ ፕረዚደንት እታ ሃገር ምዃኑ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ናይ ኣመሪካ ኣፍልጦን ደገፍን ረኺቡ'ዩ።

እታ ንፕረዚደንት ማዱሮ እትድግፍ ሩስያ ብወገና፡ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ቨነዙዌላ ኢደን ምእታወን ነቒፋ።

ትማሊ ሰንበት፡ ኒኮላስ ማዱሮ፡ ነቲ እተን ሃገራት ሂበንኦ ዝነበራ ናይ ግዜ ገደብ ከም ዘይቅበል ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ጉዋይዶ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ ዕልዋ መንግስቲ እዩ ክብል ተዛሪቡ።

መብዛሕትአን እተን ሃገራት፡ ፕረዚደንት ማዱሮ ከም ብሓድሽ ምርጫ ክካየድ ክጽውዕ ክጠልባ'የን ጸኒሐን።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን፡ "ህዝቢ ቨነዙዌላ፡ ርእሱ ብናጻን ደሞክራስያውን ኣገባብ ክገልጽ መሰሉ'ዩ" ብምባል ነቲ እተን ሃገራት ወሲደንኦ ዘለዋ ስጉምቲ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።

ብውሕዱ 15 ሃገራት ኣውሮጳ ንጉዋይዶ ዘለወን ደገፍ ክገልጻ እንከለዋ፡ ከም ግሪኽ ዝበሃለ ገለ ሃገራት ድማ ነቲ ብኒኮላስ ማዱሮ ዝምራሕ መንግስቲ ዘለወን ኣፍልጦ ኣነጺረን ኣለዋ።

መንግስቲ ጥልያን ግን ንዝኾነ ወገን ደገፉ ኣይገለጸን ዘሎ፡ እዚ ድማ ኣብ መንጎ የማንን ጸጋምን ክንፍታት ፓለቲካ እታ ሃገር ዘሎ ምስሕሓብ ዘርእይ እዩ።

መንግስቲ ቨነዙዌላ ብወገኑ፡ ምስተን ነቲ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ወጊነን ዘለዋ ሃገራት ዘለዎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና፡ ዳግመ-ግምት ክገብረሉ ከም ዝኾነ ተሊጹ'ሎ።

ፕረዚደንት ማዱሮ፡ ብዛዕባ እቲ ፓለቲካዊ ቅልውላው ናብ ኲናት ሓድሕድ ከምርሕ ዘሎ ተኽእሎ ምስተሓተተ፡ "ንሱ ኣብ ደረጃ ዕብዳን ናይ ሰሜናዊት ኢምፓየር [ኣመሪካ] ምዕራባውያን ሰብኪዳናን'ዩ ዝምርኮስ ክብል" መሊሱ።

ብዘይካ'ዚ፡ ማዱሮ ንጳጳስ ካቶሊካዊተ ቤተክርስትያን ኣቡነ ፍራንሲስ ናይ ምትዕራቕ ግደ ክጻወት ከም ዝዓደሞ፡ ሰበስልጣን ቫቲካን ተዛሪቦም።

ተቓወምቲ ወገናት ኣብታ ሃገር ሰፋሕቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ብምክያድ መንግስቲ ስልጣኑ ከረክብ ይጽውዑ ኣለዉ።

ሰራዊት እታ ሃገር ግን ምስ መንግስቲ ማዱሮ ወጊኑ ከም ዘሎ ይንገር፡ ዋላኳ ገለ ኣባላቱ ንጉዋይዶ ዘለዎም ደገፍ ዝገለጹ እንተሃለዉ።

ፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ፡ ኣብ 2013 እቲ ህቡብ ፕረዚደንት ነበር ኡጎ ቻቨዝ ድሕሪ ምሟቱ'ዩ ስልጣን ተረኪቡ። እንተኾነ ግን ብምግሃስ ሰባዊ መሰላትን፡ ሕማቕ ምሕደራ ቁጠባን ክኽሰስ ጸኒሑ።

ኣብታ ሃገር ከቢድ ሕጽረት ከም መድሃኒትን መግብን ዝበሉ መሰረታውያን ሃለኽቲ ኣጋጢሙ ይርከብ።

ኣብ 2018 ዓመታዊ ዝቕባበ ክሳብ 1, 300, 000 ሚእታዊ ምብጽሑ ብባይቶ እታ ሃገር ዝተኻየደ መጽናዕቲ የረድእ።

ዋጋ ሃለኽቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 19 መዓልታት ዕጽፊ ወሰኽ ከርኢ ጸኒሑ'ሎ።

ብሰንኪ'ቲ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ስደት ይውሕዙ ኣለዉ።

ካብ 2014 ጀሚሩ፡ ኣስታት 3 ሚልዮን ቨነዙዌላውያን ካብ ሃገሮም ከም ዝወጹ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።