መስመር ከሰላ - ተሰነይ ክኽፈት ምዃኑ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ተዛሪቡ

ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሱዳን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዓጽያቶ ዝጸንሐት ቀንዲ መትኒ ንግዳዊ ርክብ ኤርትራን ሱዳንን ዝኾነ መስመር ከሰላ- ተሰነይ ከም ዝኸፈተት፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዑመር ኣልበሽር ኣፍሊጡ።

ንሱ ሎሚ ኣብ ከተማ ከሰላ ብኣሽሓት ንዝቑጸሩ ደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ እዩ እቲ ዶብ ብህጹጽ ከም ዝኽፈት ተዛሪቡ።

"ሎሚ ንሓውና ህዝቢ፡ ፕረዚደንትን መንግስትን ኤርትራ ፍሉይ ሰላምታ ሰዲድና ኣሎና። ኣብዚ ኣብ ከሰላ ኮይነ ድማ ምስ ኤርትራ ዘለና ዶባት ከም ዝተኸፍተ እእውጅ ኣለኹ" ኢሉ።

ኤርትራ ብዛዕባ'ዚ ሓድሽ ውሳነ መንግስቲ ሱዳን ዝሃበቶ ወግዓዊ መግለጺ ኣይተረኽበን።

መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ መጀመርታ 2018 ሰራዊት ግብጺ ኣብ ልዕሊ ሱዳን መጥቃዕቲ ንምፍጻም ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ኣሎ ዝብልን፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብን ብረትን ይግበር ኣሎ ብምባል ዶባት እታ ሃገር ክዕጾ ወሲኑ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ናይ ኣየር በረራታት ግን ኣይተዓናቐፈን።

ኣብቲ እዋን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራዊት እታ ሃገር'ውን ኣብ ከባቢ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ተንቀሳቒሱ ምንባሩ ይፍለጥ።

እንተኸነ ግን መበገሲ ናይቲ በይናዊ ስጉምቲ ምዕጻው ዶባት፡ ናይ ጸጥታ ስግኣታት ከም ዘይነበረን፡ ንውሽጣዊ ፓለቲካዊ ብደሆታት ንምድህላል ዝዓለመ ምንበሩን ይዛረቡ።

ኣቶ ዓብደላ ኣደም ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኮይኑ ዘገልገለ ኮይኑ፡ ምዕጻው ናይቲ ዶብ ብወገን ሱዳን ከም ህጹጽ ናይ ጸጥታ ኩነታት ከም ዝኾነ ተጌሩ'ዩ ቀሪቡ ነይሩ ይብል።

"ኣነ ከም ዝግምቶ ግን፡ ሓደ ካብ ምኽንያታት ዝነበረ ሽዑ፡ መንግስቲ ሱዳን ባጀት ዘጽድቐሉ ዝነበረ እዋን ስለዝነበረ፡ ከምቲ ናይ 2013 ናዕቢ ክፈጥር'ዩ ዝብል ትጽቢት ስለዝነበረ፡ ነቲ ናይ ዶብ ጉዳይ ንውሽጣዊ ኩነታት ንምህዳእ ተጠቒሞምሉ" ይብል።

ኣምባሳደር ዓብደላ ከም ዝብሎ፡ ምኽፋት ናይቲ ዶብ ኣብዚ እዋን'ዚ እውን ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎ ከይኮነ ከም ዘይተርፍ ይዛረብ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ "ሕጂ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ድማ፡ ናዕቢ ናይ ሱዳን ይቕጽል ብምህላዉ፡ ዑመር ኣልበሽር ኣብ ሕማቕ ኩነታት'ዩ ዝርከብ፡ ስለዚ ነቲ ኩነታት ንምህዳእብዙሕ ምኽንያታት'ዩ ይጥቀም። ኣብዛ እዋን እዚኣ ድማ፡ ምስ ኤርትራ ዘለዎም ዶብ ተኸፊቱ ምባሉ ናይ ዓቕሊ ጽበት ፓለቲካዊ ሃልኪ ኮይኑ ይስማዓኒ" ብምባል ይገልጾ።

ዋላኳ ክልቲአን ሃገራት ብደረጃ ኤምባሲ ዲፕሎማስያዊ ርክብ እንተሃለወን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ሓርፊፉ ምንባሩ ይፍለጥ።

"ኣብቲ ከባቢ ካልእ ምዕባለታት ተፈጢሩ ኣሎ" ዝበለ ኣምባሳደር ዓብደላ፡ ኣብቲ ዞባ ዝነበረ ምሕዝነታት ምቅይያሩ መርኣያ ናይዚ ምኳኑ ይጠቅስ።

እቲ ምቅይያር ድማ ድሕሪ'ቲ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ዕርቀ-ሰላም ዝማዕበለ ምዃኑ ብምሕባር፡ እታ ምስ ኤርትራ ጥቡቕ ዝምድና ጀሚራ ዝነበረት ግብጺ ኣንፈታ ናብ ሱዳን ብምቕያራ፡ እዚ ድማ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ብጽቡቕ ኣይረአን'ዩ ኢሉ።

ኤርትራ ብወገና፡ ንሱዳን ምስ ቐጠርን ኢትዮጵያን ብምዃን ወታሃደራዊ መናውራታት ከተካይድ ትፍትን ኣላ ክትብል ከሲሳታ ምንባራ ይፍለጥ።