ስዑድ ዓረብ ዝጀመረቶ ወፈሪ ጸረ ብልሽውና ዛዚማ

ሆቴል ሪትዝ ካረልቶን

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty

መግለጺ ስእሊ, እቶም መሳፍንቲ፡ ሃብታማትን ሰብ ዝናብ ኣብ ሪያድ ዝርከብ ሪትዝ ካረልቶን ዝብሃል ሆቴል'ዮም ተኣሲሮም ነይሮም

ስዑድ ዓረብ፡ ነቲ ኣማኢት መሳፍንቲ፡ ሰብ ዝናን ሃብታማትን ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣትዉ ዝገበረ ኣብ 2017 ዝጀመረቶ ወፈሪ ጸረ ብልሽውና መስርሑ ከም ዝወድአ ኣፍሊጣ።

ሰብ መዚ ሰዑድ ዓረብ፡ በዚ ወፈሪ ጸረ ብልሽውና፡ ልዕሊ 100 ቢልዮን ዶላር ብንብረትን ብጥረ ገንዝብን ናብ ካዝና መንግስቲ ከም ዘማለሱ'ዮም ዝነግሩ።

ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ እቶም 87 ወልቀሰባት፡ ዝቐረበሎም ክሲ ስለ ዝኣመንሉ ጉዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ ከይከደ ብምርድዳእ መዕለቢ ረኺቡ'ሎ።

ካልኦት ሸሞንተ ግን ዝቐረበሎም ክሲ ስለ ዘይኣመንሉ ጉዳዮም ናብ ዓቃቢ ሕጊ ኣምሪሑ ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ናይ 56 ሰባት ጉዳይ ምስ ገበናዊ ክሲ ዝተኣሳሰር ስለ ዝኾነ ጉዳዮም ከም ዘይተወደአ ተፈሊጡ።

ወፈሪ ጸረ ብልሽውና ሰዑድ ዓረብ ኣብ ሕዳር 2017 እዩ ብልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ጀሚሩ።

በዚ ወፈሪ፤ ልዕሊ ክልተ ሚእቲ መሳፍንቲ፣ ሚኒስተራትን ሰብ ሃብትን፤ ኣብቲ ኣብ ሪያድ ዝርከብ ሪትዝ ካርልቶን ዝተብሃለ ብዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ሆቴል ሓዊሱ፡ መብዛሕተኦም ኣብ ሆቴላት ተቐይዶም ከም ዝጸንሑ ይሕበር።

ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን

ናይ ገለ ወጻእተኛታት ጉዳይ'ውን ገና ኣብ መዕለቢኡ ከምዘይበጽሐ ይዝረብ።

ብምኽንያት እቲ ኣብ 2 ጥቅምቲ 2018፡ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ኢምባሲ ስዑዲ ዝተቐተለ ውሩይ ጋዜጠኛ ካሾጊ፡ ልዑል መሓመድ ቢን ሰልማን ኣብ ሓያል ጸቕጢ'ዩ ዝርከብ።