ኣብ 'ኣጉዶ ወርሓዊ ፅግያት" ክፀንሑ ዝተገበሩ ኔፓላውያን ኣደን ደቃን ሞይቶም

ኣብ 'ኣጉዶ ወርሓዊ ፅግያት' ምስ ክልተ ደቃ ክትፀንሕ ናይ ዝተሓየረት ኔፓላዊት ኣዶ ህይወት ሓሊፋ።

ምስ ወላዲቶም ንክፀንሑ ዝተገደዱ ክልቲኦም ደቃ እውን ካብ ሞት ኣይተረፉን።

ኣብቲ ማሕበረሰብ ብዘሎ ባህላዊ ልምዲ ኣብዛ ዓምፃፅ ገዛ ንክትፀንሕ ዝተበየነላ ወላዲት፡ ንባዕላን ንደቃን ሙቐት ንምፍጣር ሓዊ ኣጒዳ።

ሙቐት ንክህቦም ዝኣጎደቶ ሓዊ ግና፡ ህይወታን ደቃን ንክሓልፍ እዩ ኣገዲዱ።

ሰብመዚ ኔፓል እቲ ዝተፈጠረ ትኪ ነቲ ገዛ ስለዝዓፈኖ ክሞቱ ከም ዝኸኣሉ ጥርጣርኦም ንቢቢሲ ገሊፆም።

እዚ ባህላዊ ልምዲ፡ ኣብ ወርሓዊ ፀግያት እትርከብ ጓልኣንስተይቲ፡ ወርሓዊ ፅግያት ክሳብ ትውድእ ካብ ስድርኣ ተፈልያ ኣብ ሓደ ኣጐዶ ገዛ ንክትፀንሕ እዩ ዝግበር።

መንግስቲ ኔፓል ነዚ ልምዲ ዋላ እኳ እንተኣገዶ፡ ሕዚ እውን ግና ኣብ ገጠር ከባብታት ኔፓል ይትግበር ኣሎ።

ከምዚ ዓይነት ዘሕዝን ኣጋጣሚ ፈላማይ ኣይኮነን። ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ኣብ ዓምፃፅ ኣጉዶ ንክድቅሳ ስለዝግደዳ፡ ብውሑዱ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ብተመን ተነኺሳ ህይወታ ይሓልፍ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2017 ከኣ እዚ ቻፓዲ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ልምዲ፡ ገበን ከምዝኾነ ብሕጊ እታ ሃገር ተደንጊጉ እዩ።

ኣብ ከም ሂንዲዩዝም ዝበሉ ጥንታውያን ሃይማኖታት፡ ኣብ ወርሓዊ ፅግያት ወይ ኣብ ሕርሲ ዘላ ጓልኣንስተይቲ 'ዘይፅርይቲ ስለዝኾነት፡ ሕማቕ ዕድል ክተምፅኣልና እያ' ብዝብል ኣብ ዓምፃፅ ገዛ ወይ ድማ ኣብ ደምበ ከፍቲ ክትድቅስ ትግደድ።

እዚ ዕጫ ዝበፅሓ ጓልኣንስተይቲ ድማ ንሰብኣይ ኮነ ንከፍቲ ከምኡ እውን ንምግቢ ክትነክእ ስለዘይፍቀዳላ፡ ካብቲ እትነብረሉ ከባቢ ንክትርሕቕ ይግበር።

እቲ ርሒቑ ዝተውሃባ ዓምፃፅ ገዛ ወይ ድማ ደምበ ከፍቲ እውን እንተኾነ ብጣዕሚ ዛሕልን ንመጥቃዕቲ ዝተጋለፀን እዩ።

እታ ጓል ኣንስተይቲ ተምሃሪት እንተኾይና እውን ናብ ቤት-ትምህርቲ ኣይትኸይድን።

ብመሰረት ሕጊ ኔፓል ባህላዊ ልምዲ ቻፓዲ ንክትግበር ዝገበረ ዝኾነ ሰብ ሰለስተ ወርሒ ማእሰርትን 27 ዶላርን ንክቕፃዕ ይግበር።

ተሓለቕቲ ግና እዚ ሕጊ ብጣዕሚ ፅኑዕ ክኸውን ይግባእ ብምባል ይቃወሙ።