ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ፕረዚደንታዊ ተወዳዳራይ ተቓዋሚ ሰልፊ ፈሊክስ ቺሴኬዴ ተዓዊቱ

ዴሞክራስያዊት ሪፑብልክ ኮንጎ ድሕሪ 59 ዓመት፡ ንፈለማ እዋን ኣባል ተቓዋሚ ሰልፊ (ፖለቲካዊ ውድብ) ኣብ ፕረዚደንታዊ ውድድር እታ ሃገር ክዕወትን፡ ሕጋዊ ብዝኾነ ኣገባብ ድማ ናይ ስልጣን ምትሕልላፍ ክግበር ትጽቢት ይግበረሉ።

ፕረዚደንታዊ ተወዳዳራይ ተቓዋሚ ሰልፊ ፈሊክስ ቺሴኬዴ ኣብቲ ኣብ ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መርጫ ከምዝተዓወተ ናይታ ሃገር ናይ መረጻ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

ግዝያዊ ውጽኢት'ቲ መረጻ ከምዝሕብሮ፡ ፊሊክስ ቺሴኬዲ ነቶም መወዳድርቱ ዝኾኑ ማርቲን ፋዩሉን፡ ተወዳዳራይ ተቓዋሚ ሰልፍን፡ ኤማኑኤል ሻድሪ፡ ኣባል ገዛኢ ሰልፍን ብምስዓር ኢዩ ተዓዊቱ።

እቲ ውጽኢት ምስተረጋገጸ፡ ቺሴኬዲ፡ ዴሞክራስያዊት ሪፑብሊክ ኮንጎ ናጽነታ ካብ ቤልጂም ድሕሪ ምርካባ፡ ናብ ስልጣን ዝመጸ ናይ መጀመርታ ኣባል ተቓዋሚ ሰልፊ (ፖለቲካዊ ውድብ) ክኸውን ኢዩ።

ፕረዚደንት ጆሴፍ ካቢላ ድሕሪ 18 ዓመታት ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ኢዩ ሕጂ ካብ መዝነቱ ዝወርድ ዘሎ።

ፕረዚደንት ካቢላ ብዝገበሮ መብጽዓ መሰረት፡ ዴሞክራስያዊት ሪፑብሊክ ኮንጎ ካብ ቤልጄም ኣብ 1960 ናጽነታ ድሕሪ ምርካባ፡ ሕጂ ንፈለማ እዋን ኣታ ሃገር ስርዓት ዘለዎ ናይ ስልጣን ምምሕልላፍ ተካይድ ዘላ።

ውጽኢት'ቲ መረጻ ዝመጽእ ሰንበት ኢዩ ክግለጽ ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ፡ ሕጂ'ውን እቲ ትገሊጹ ዘሎ ግዝያዊ ውጽኢት መረጻ ክብዳህ ተኽእሎታት ከምዘሎ ተገሊጹ።

ሓላፊ ሃገራዊ መረጻ ኮምሽን ዴሞክራስያዊት ሪፑብሊክ ኮንጎ፡ ኮርኔያ ናንጋ፡ ሓሙስ ወጋሕታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብመሰረት እቲ ኣፈናዊ ውጽኢት`ቲ መረጻ፡ ቺሴኬዲ 38.5 ሚኢታዊት ድምጺ ብምርካብ ፕሬዚደንታዊ ተዓዋቲ ከም ዝኾነ ገሊጹ።

ኣብዚ ዝተኻየደ መረጻ፡ ካብቲ ክመርጽ ዝተመዝገበ ብዝሒ ህዝቢ 48 ሚኢታዊት ጥራይ ኢዩ ኣድሚጹ። ካብቲ ዘድመጸ ህዝቢ ድማ፡ ፊሊክስ ቺሴኬዲ 7 ሚልዮን፡ ማርቲን ፋዩሉ 6.4 ሚልዮን፡ ኤማኑኤል ሻድሪ ድማ 4.4 ሚልዮን ድምጺ ረኺቦም።

ድሕሪ ውጻኢት መረጻ ዝነበረ ርእይቶ እንታይ ይመስል?

እቲ ወዲ ገዲም መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ-ነበር ኢትየን ቺሴኬዲ ዝኾነ ቺሴኬዲ ኣብ ርእሰ-ከተማ ኪንሻሳ ዝረከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሰልፉ - Union for Democracy and Social Progress - ንደገፍቱ ኣብ ዝገበሮ መደረ ፕሬዚደንት ካቢላ ከም ጸላኢ ክርአ የብሉን ኢሉ።

ንፕሬዚደንት ካቢላ ዘሎኒ ኣኽብሮት እገልጽ፡ ድሕሪ ሕጂ ከም ጸላኢ ክንሪኦ የብልናን፡ በንጻሩ ኣብቲ ኣብ ሃገርና ዴሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ እነካይዶ ቃልሲ ከም መሻርኽትና ክንሪኦ ይግባእ ኢሉ።

ኣብቲ ዝገበሮ መደረ፡ ቺሴኬዲ ምቅላስ ኣንጻር ድኽነት ሓደ ካብ ቀዳምነታቱ ክኸውን ከምዝኾነ ቃል ኣትዩ።

በንጻሩ፡ እቲ ቀንዲ መወዳድርቱ፡ ፋዩሉ ነቲ ውጻኢት መረጻ "ሓቅነት ዘይብሉ" ብምባል ነጺግዎ።

"ህዝቢ ኮንጎ ከምዚ ዓይነት ምጥፍፋእ ጨሪሱ ኣይክቕበሎን ኢዩ። ፈሊክስ ቺሴኬዲ ጨሪሱ 7 ሚልዮን ድምጺ ክረክብ ኣይክእልን ኢዩ። ካበይ ኢዩ'ኸ ረኺብዎ" ክብል ንቢቢሲ ጊሊጹ።

ብሮቡዕ፡ ድሕሪ ምግላጽ'ቲ ውጽኢት ገለ ዕግርግር ክልዓል'ዩ ካብ ዝብል ፍርሒ ፖሊስ ኣብ ከተማ ኪንሻሳ ተዋፊሮም።

መራሕቲ ዛምብያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝኾነ ምልዕዓል መታን ከይፍጠር ውጽኢት'ቲ መረጻ ብቕልጡፍ ንህዝቢ ክግለጽ ሓቲቶም።

ብሰሉስ፡ ፋዩሉ ነቶም ሰበ-ስልጣናት መረጻ ነቲ ሓቂ ከይሽፍኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ርእይቶ ደቂ ኮንጎ እንታይ ክኸውን ኢዩ?

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሊዊስ ዴዋስት ኣብዝገበሮ ትንታነ፡ ውጽኢት'ዚ መረጻ ንሰልፊ (ፖለቲካዊ ውድብ) ቺሴኬዲ ኣዝዩ ታሪኻዊ ኢዩ። ድሕሪ ንዝሓለፈ ዓሰርተ-ዓመታት ናብ ስልጣን ክመጽእ ዝገበሮ ጻዕርታት ብምዕዋቱ።

እንተኾነ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ገለ መዓልታት ክናፈስ ዝቐነየ ቤልቤለው ከምዘመልክቶ፡ ቺሴኬዲ ምስ ፕሬዚደንት ካቢላ ዝገበሮ ስምምዕ ኣብ ካልኦት ኣባላት ተቓወምቲ ሰልፍታት ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ። ቺሴኬዲ ባዕሉ ምስ ገለ ባላት ገዛኢ ሰልፊ ብዛዕባ ኣገባብ ምትሕልላፍ ስልጣን ተራኺቡ ከም ዝተዘራረበ ተኣሚኑ።

እቶም ተወዳደርቲ ውጽኢት እቲ መረጻ ክቃወሙን መሰሎም ክኸውን ከኣ ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝህብ ድማ እቲ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ኢዩ ክኸውን።

እንታይ'ዩ እቲ ድሕረ ባይታ?

ፕሬዚደንት ካቢላ ድሕሪ ቅትለት ኣቡኡ፡ ሎውሬንት ካቢላ ኢዩ ኣብ 2001 ናብ ስልጣን መጺኡ። ብድሕሪኡ ኣብ 2006 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ድማ ከም ፕሬዚደንት ኮንጎ ተመሪጹ። ካብኡ ኣብቲ ኣካታዒ ዝብሃል ናይ 2011 መረጻ ዳግማይ ተመሪጹ፡ ክጋብ ሕጂ ድማ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ።

ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ንሳልሳይ ግዜ ከይወዳደር ተኣጊዱ ጸኒሑ። ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ካብ ስልጣኑ ክወርድ ነይርዎ፡ እንተኾነ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት እቲ መስርሕ ክናዋሕ ጸኒሑ።