ኣሜሪካ፡ ውንኣ ዘይትፈልጥ ሕምምቲ ኣብ ሕክምና ወሊዳ

ኣብ ኣሪዞና ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ዕውለት ዝጸንሓትን ክሳብ ሕጂ ኣብ ዕውለት ዘላን ኣሜሪካዊት ወሊዳ።

ነዚ ስዒቡ ላዕለዋይ ሓላፊ ምክትታል ሕሙማት ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ሓላፍነቱ ወሪዱ።

እዛ መንነታ ዘይተገለጸት ሕምምቲ፡ ኣብ 'ሃሲዮንዳ" ዝተብሃለ ሕክምና 24 ስዓታት ምክትታል ዶካትር እናተገበረላ ንዝሓለፈ ልዕሊ ዓሰርት ዓመታት ኣብ ወንኣ ዘይትፈልጠሉ ኩነታት እያ ዘላ።

ፖሊስ፡ ኩነታት እዛ ሕምምቲ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዛ ሕምምቲ ነብሳ ክተቆጻጸር ኣብ ዘይትኽእለሉ ስለ እትርከብ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝተፈጸማ ሓቢሩ ኣሎ።

እዛ ሕምምቲ ክሳብ ቆልዓ ትገላገል ዝኾነ ሰራሕተኛ እቲ ሕክምና፡ ጥንስቲ ምኳና ይፈልጡ ከም ዘይነበሩ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

ጋሪ ኦማን ዝተብሃለት ምክትል ኣካያዲት ስራሕ እቲ ትካል፡ በዚ ዝተፈጠረ ኣነዋሪ ተግባር ከም ዝሓፈሩ ብምሓበር፡ ትካሎም ንኹሉ እቲ ዝተፈጠረ ጌጋታት ሓላፍነት ከም ዝወስደሉ ሓቢራ።

ጋዜጣ 'ኒውዮርክ ታይምስ' ኣቀድም ኣቢሉ ኣብቲ ሆስፒታል ዝእለዩ ሕሙማት ክሕጸቡ እንከለው ከምኡ'ውን ክዳኖም ክቅይሩ ናጽነት ከም ዘይስምዖም ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ ነይሩ'ዩ።

ፖሊስ ኣብዚ ጉዳይ መርመራ ይገብር ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ ልዕሊ እዛ ሕምምቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸመ ጥርጡር ንምርካብ ኣብ ጽዑቕ ክትልል ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ንግዚኡ ስም ጥርጡር ክገልጽ ዘይደለየ ፖሊስ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ሓፍሻዊ ሓለዋን መርመራን የካይድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ዝኾነ ውዲ ተባዕታይ ናብቲ ተኣለይቲ ደቂ ኣንስተዮ ዘለውኦ ኣብ ዝኸደሉ መሳርሕቱ ጓል ኣንስተይቲ ከተሰንዪ ከም ዝተገበረ ምክትል ኣካያዲት እቲ ስራሕ ሓቢራ።

ቤት ጽሓፈት ኣገልግሎት ሕክምና ኣሪዞና ብወገኑ፡ ነዚ ጉዳይ ዘጻርዩ ናብቲ ማእከል ከም ዝሰደደን ነዚ ጉዳይ ብቀረባ ይከታተሎ ከም ዘሎን ኣፍሊጡ።