ኣብ 2018 መጠን ሓደጋ በረራ ነፈርቲ ወሲኹ

ዝሓለፈ ዓመት 2018 ብሓደጋ ነፋሪት ዝሞቱ ምስ 2017 ክነጻጸር እንከሎ ልዑል ዕብየት ከም ዘርኣየ ተፈሊጡ።

ብመሰረት ድሕነት በረራ ነፈርቲ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 556 ብሓደጋ ነፋሪት ክሞቱ እንከለው፡ ኣብ 2017 ግን 44 ጥራሕ ሞይቶም።

ዓሚ እቲ ዝኸፈኣ ሓደጋ ነፋሪት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኢንዶንዥያ ዘጋጠመ ኮይኑ 189 ሰባት ድማ ሞይቶም።

ዓመተ 2017፡ ዝኾነ ናይ ገያሾ ነፋሪት ሓደጋ ብዘይምብጽሑ፡ ኣብ ታሪኸ በረራ እታ ዝዋሓሰት ዓመት ተባሂላ ትፍለጥ።

ገዚፍ ምዕባለ

ኣብ ሆላንድ ዝመደበሩ ናይ ሰነ-በረራ ድሕነት ነፈርቲ ዝከታተል ትካል፡ ኣብ 2018 ኣስታት 15 ሓደጋታት ነፈርቲ ከም ዘጋጠመ የመልክት። ካብ መንጎ እቶም ኣሰቀቕቲ ሓደጋታት ነፈርቲ፤

  • ላዮን ኣየር ካብ መዕረፎ ነፈርቲ ጃካርታ ምስ በረረት ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣብ ባሕሪ ጃቫ ኢንዶንዥያ ተሓምሺሻ
  • ሓምለ 2018፡ ኣብ ኩባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት 112 ሰባት ሞይቶም
  • ለካቲት፡ ህይወት 66 ሰባት ዝቐዘፈ ሓደጋ ነፋሪት ኣብ ኢራን ኣጓኒፉ
  • መጋቢት፡ 50 ሰባት ዝቀተለ ሓደጋ ነፋሪት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኔፓል ካትማንዱ

እቲ ጸብጻብ፡ ውሕሰነት ነፈርቲ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ምምሕያሽ ከም ዘመዝገበ ኣመልኪቱ።

ዋና ጸሓፊ ድሕነት በረራ ነፈርቲ፤ ከም ዝሓበሮ ''እቲ ሓደጋ ምስቲ ናይ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት መጠን ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣብዚ እዋን 39 ሓደጋታት መጋጠመ ነይሩ" ይብል።

ምስ ናይ 2000 ዓ.ም እንተ ኣዋዳዲርናዮ ድማ 64 ሓደጋት መጋጠመ ነይሩ ይብል።

እዚ ከኣ ኣብ ውሕስነት በረራ ነፈርቲ ዓቢ ምዕባለ ምኳኑ ኣብሪሁ።

መብዛሕትኡ፡ ሓደጋታት ነፈርቲ ካብ ምውጻእ መስመር በረራ መንገዲ ኣየር፤ መካኒካዊ ብልሽት፤ ኣከባቢያዊ ህውከት ከምኡ'ውን ናይ ብደቂ ሰባት ዝፍጸም ጌጋ የጋጥም።