እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅድሚ 30 ዓመታት ዝተዓገተት ኣርጀንቲናዊት ኣደ ሓራ ወፂኣ
ኣብ መጀመርታ 1980ታት ዝተዓገተት ኣርጀንቲናዊት ኣደ ድሕሪ 32 ዓመታት ብፖሊስ ኣርጀንቲናን ቦሊቭያን ሓራ ወፂኣ።
ሐዚ 45 ዝመልኣ እዛ ኣርጀንቲናዊት ኣደ፡ ኣብዚ ዓመት ፖሊስ ምስጢራዊ ሓበሬታ ክሳብ ዝረክብ ደሃያ ተሰዊሩ ሃለዋታ ጠፊኡ ፀኒሑ።
ኣብ ደቡብ ቦሊቭያ፡ በርሜጆ ኣብ ዝተብሃለ ስፍራ ከም እትርከብ ምስጢር ዝተሓበሮ ፖሊስ፡ እታ ዝተዓገተትላ ገዛ ብትኽክል ምንፃር ምስ ከኣለ፡ ምስ ወዲ 9 ዓመት ወዳ እዩ ሓራ ኣውፂኡዋ።
ኣስማት እታ ኣደን ውላዳን ተፀሪሑ ኣይተንገረን።
ፖሊስ ኣርጀንቲና ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ከም ዝሓበሮ፡ እዛ ወላዲት ማር ዴል ፕላታ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ኣርጀንቲና ምስ ዝነብሩ ስድራኣ ተራኺባ ኣላ።
እታ ኣደ፡ ምስ ወዳ ቅድሚ ሓደ ወርሒ እዮም ሓራ ክወፁ ክኢሎም።
ይኹን'ምበር እቲ መግለፂ ፖሊስ ነዚ ተሓታቲ መን ከም ዝኾነ ዝተወሰደ ስጉምቲ ይሃሉ ኣይሃሉን ዝበሎ ነገር የለን።