እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ፣ ኢራንን ቱርክን ኣብ ሶርያ ኮሚቴ ሕገመንግስቲ ንምቛም ክሰማምዓ ኣይከኣላን
ኣብ ሶርያ ሓድሽ ኮሚቴ ሕገመንግስቲ ንምቛም ኣብ ጄኔቫ ዝተገበረ ዘተ፡ ንጹር ውጽኢቱ ከይተፈልጠ ተዛዚሙ።
ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፣ ኢራንን ቱርክን ኣብቲ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተመወለን ኣብ ሶርያ ቀጻሊ ሰላም ንምምጻእን ዝዓለመ ዘተ እኳ እንተተሳተፉ፤ ኣባላት እቲ ኮሚቴ ብዝምልከት ግን ክሰማምዑ ኣይክኣሉን።
ቅድሚ ምጥያስ እዚ ኮሚቴ ብዙሕ ክስራሕ ዝግብኦ ዕዮ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ገሊጹ።
ኣብ ኩናት ሶርያ፡ ሩስያን ኢራንን ንመንግስቲ፡ ቱርኪ ድማ ንተቓወምቲ እየን ዝድግፋ።
እቲ ዝቐውም ኮሚቴ ሕገመንግስቲ፡ ሓቛፍን ተኣማንን ንክኸውን ብዙሕ ዕዮ የድልዮ እዩ ኢሉ ፍሉይ መልእኽተኛ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ጉዳይ ሶርያ፡ ስታፋን ደ ሚሰቱራ።
እቲ ዝቐውም ሓድሽ ኮሚቴ ሕገመንግስቲ ሶርያ፡ ምርጫ ዝትልም'ውን እዩ።
ኣብቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ዝተነበበ ናይ ሓባር መግለጺ፤ ሰለስቲአን ሃገራት ብመትከል እንካሃባን ሃናጻይ ዝርርብን ከም ዝምርሓ ገሊጸን።
ኣስማት ንኣባልነት እቲ ኮሚቴ ዝተመረጹ ሰባት ገምጋም ከም ዝተገበረሉን፡ ኣብ ከይዲ ድማ ድማ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንኣስማት እቶም ተሓርዮም ዝቐረቡ ሰባት ከም ዝግምግምን ድማ ተገሊጹ።