ቁርሲ ካብ ምሳሕን ድራርን ንላዕሊ ኣገዳሲ ድዩ?

ቑርሲ

ምንጪ ስእሊ, KucherAV

ምዕሩይ ቁመናን ምሉእ ጥዕናን ዘለዎም ሰባት፡ ቁርሶም ኣይዘሉን ይበሃል።

ኮይኑ ግን፡ ቁርሲ ምብላዕ መሊኡ ጥዕናኻ ይሕሉ ወይ'ውን ዝተመዓራረየ ቁመና ክህልወካ ይገብር ማለት ኣይኮነን።

ቁርስና ብኣግባቡ እንበልዕ ግን ክንደየነዎት ኢና?

ሰዓት ቁርስኻ ከይሰገርካ ምብላዕ ኣገዳሲ'ዩ ንዝብል ሓሳብ ዝቐርብ ምኽንያት፡ ለይቲ ሙሉእ ጾሙ ዝሓደረ ሰብነት ብምግቢ ክጽገን ስለ ዘለዎ ዝብል'ዩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ሰብነትና ናብ ንቡር ዝምለስን ዝተጎድኡ ክፋላት ሰብነትና ዝጽገኑን ኣብ እንድቅሰሉ ሰዓት ስለ ዝኾነ፡ ብዙሕ ጉልበት ንውድእ ኢና።

በዚ ምኽንያት፡ ቁርስኻ ኣብ ሰዓትኻ ምምጋብ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዝተመጣጠነ ምግቢ ምምጋብ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ በዓልቲ ሞያ ስነ መዓዛ፡ ሳራ ኤልደር ትዛረብ።

ካብ መዓልታዊ ምግብታትና ግን እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ፡ ቁርሲ ድዩ? ብዙሓት ክሰማምዕሉ ዘይኽኣሉ ነጥቢ'ዩ።

ርሲ ኣድላዪ ድዩ ኣይኮነን?

ብመሰረት ዝተፈላለዩ መጽናዕታት፡ ቁርሲ ምብላዕ ኾነ ምዝላል ሓቢሮም ዝለዓልሉ ምኽንያት፡ ምስ ግዝፊ ሰብነት'ዩ።

ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ዝወሰደን 50 ሽሕ ሰባት ኣብ ዝተሳተፍሉን ሓደ መጽናዕቲ፡ ዝተመጣጠነ ቁርሲ ኣብ ሰዓቶም ዝምገቡ ሰባት፡ ምስ ምሳሕ ወይ'ውን ድራር ኽብድ ዝበለ መግቢ ዝምገቡ ሰባት እንትነጻጸሩ፡ መጠን ኽብደቶም ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ይርከብ።

እቶም እዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሰባት ከም ዝብልዎ፤ ቁርሶም ብስርዓት ዝምገቡ ሰባት ምሉእ መዓልቲ ዝስምዖም ናይ ጥምየት ስምዒት ዝተሓተ ከም ዝኾነን፡ ዝወስዱዎ መጠን መግቢ'ውን ዝተሓተ ከም ዝኾነን'ዩ።

ዝተመጣጠነ መግቢ ኣብ ሰዓቶም ክምገቡ ዘይኽኣሉ ሰባት ድማ፡ ሰብነቶም ሙሉእ ለይቲ ዘቃጸሎ ሓይሊ ክትካእ ስለ ዘለዎ፡ ሙሉእ መዓልቲ መግቢ እንተተመገቡ'ውን ናይ ምዕጋብ ስምዒት ስለ ዘይህሉዎም፡ ልዕሊ ዓቐን መግቢ ክምገቡ ይግደዱ።

ኾይኑ ግን ቑርሶም ብኣግባቡ ዘይምገቡ ሰባት ንልዕሊ ዓቐን ግዝፊ ዝተቓልዑ ድዮም?

ቑርሲ

ምንጪ ስእሊ, anamejia18

ነዚ ሕቶ ምላሽ ንምሃብ፡ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ዘጋጠመን 52 ደቂ ኣንስትዮ ዘካተተ 12 ሰሙን ዝወሰደ መጽናዕቲ ተኻይዱ'ዩ።

ኩለን፡ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ መግቢ ዝወሃበን ኮይኑ፡ ፍርቀን ቁርሲ ክበልዓ ፍርቀን ድማ ቁርሰን ክዘላ ተገይሩ።

ብመሰረት እቲ ዝተረኸበ ውጽኢት መጽናዕቲ ድማ፡ እተን ተሳተፍቲ ክብደተን ክንክያ ዝገበረን ቁርሲ ዘይኮነ፡ ብተደጋጋሚ ዝገብረኦ ነገር ስለ ዝተረፈ'ዩ።

ኣብቲ መጽናዕቲ ከይተኻተታ እንከለዋ፡ ቁርሲ ዝበልዓ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ን 12 ሰሙን ቁርሲ ከይበልዓ ምስ ጸንሓ 8.9 ኪሎ እንትንክያ፡ ቅድሚ እቲ መጽናዕቲ ቁርሲ ዘይበልዓ ዝነበራ ድማ ን 12 ሰሙን ቁርሲ ክበልዓ ምስ ተገበረ፡ 7.7 ኪሎ ነክየን።

ቁርሲ ምብላዕን ዘይምብላዕን፡ ግዝፊ ሰብነት ንምንካይ መረጋገጺ እንተዘይኾይኑ፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ዘሎ ርክብ ድኣ እንታይ'ዩ?

ፕሮፌሰር ድልየት መግቢ ዩኒቨርሲቲ አቤርደን አሌክሳንድራ ጆንስቶን፡ መብዛሕትኦም ቁርሲ ዝበልዑ ሰባት፡ ናይ ንጉሆ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባርን ካብ ወልፊ ናይ ምርሓቕን ባህሪ ኣለዎም ትብል።

ስለ ዝኾነ፡ ኣብ መንጎ ቁርስን ግዝፊ ሰብነትን ዘሎ ርክብ ክሳብ ዝረጋገጽን ዓሚዩቕ መጽናዕቲ ክሳብ ዝካየድን፡ እዚ ዝበሃል ርክብ ኣለዎም ኢልካ ምድምዳም ከቢድ'ዩ ኢላ።

ኣብዚ ዝሓዝናዮ ዓመተ ፈረንጂ፡ ዝተሰርሐ ካልእ መጽናዕቲ፡ ሰዓት ቁርሲ ምሕላፍ ኣብ ደምና ንዝርከብ መጠን ሽኮርን ጸቕጢ ደምንን ንክንኪ ከም ዝሕግዝ የመላኽት።

ዋላ'ኳ ሙሉእ ውጽኢት እዚ መጽናዕቲ ወግዓዊ ኣይኹን፡ ካብ ዩኒቨርሲቲታት ሰሬይን አቤርደንን ዝተወጻጽኡ ሰብ ሞያ ዝበጽሑዎ መረዳእታ ከም ዘመላኽቶ፡ ቁርሲ ምብላዕ ክብደት ሰብነትኻ ንምቁጽጻር ሓጋዛይ'ዩ።

ቁርሲ ግን ምስ ክብደት ሰብነት ዘዛምድ ጉዳይ የብሉን። ቁርሶም ዘይበልዑ ሰባት ብሕማም ልቢ ናይ ምጥቃዕ ዕድሎም 27 ሚኢታዊት ዝለዓለ እንትኾን፡ ብታይፕ 2 ዝተብሃለ ሕማም ሽኮር ናይ ምጥቃዕ ዕድሎም ድማ ብ 21 ሚኢታዊ ዝለዓለ እዩ።

ቑርሲ ንምንታይ ኣድለየ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ቑርሲ ምብላዕ ናይ ኣእምሮ ምንቕቓሕ ንምፍጣር ሓጋዛይ'ዩ።

እዚ ማለት ኣብ ስራሕና ትኹረት ሂብና ክንሰርሕን ህጻናት ድማ ብቐሊሉ ቋንቋ ክመሃሩን ይሕግዝ።