ሓሙሽተ ሽሕ ኩላሶ

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ልዕሊ 1 ሽሕ ሰባት ኣብ ሆቴል ጊዮን ብምትእኽኻብ ብሙዚቃ ዝተዓጀበ ስነ-ስርዓት ምኩልላስ ኣካይዶም።
ኣዳለውቲ እቲ መድረኽ እቲ ፍፃመ መዓልቲ ምኩልላስ ኮይኑ ክኽበር ድልየት ኣለዎም። ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ቀፃልነት ዘለዎ ፌስቲቫል ምኩልላስ ክህሉ ይሓስቡ።
ብተወሳኺ'ውን ንምኩልላስ ኣብ መዝገብ ዘይድህሰሱ ሓድግታት ናይ ምስፋር ነዊሕ ራእይ ኣለዎም።

ኣብቲ ናይ ቀዳም መድረኽ፡ ን 5 ሽሕ ሰባት ብምስታፍ ኣብ መዝገብ ክብረወሰን ዓለም ንምምዝጋብ ዝተትሓዘ ትልሚ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክዕወት ኣይከኣለን።
ኣሰናዳእቲ ከምዝበልዎ ኣብቲ ዕለት ኣስታት 1700 ሰባት ጥራሕ ተረኺቦም።

ካብ ኣዳለውቲ ሓደ ዝኾነ ቅዱስ ኣብርሃም "ከም ምኩልላስ ዘረዳድኣና የለን፤ ሓደ ነቲ ካልእ ዘኾልሰሉ ተግባር ጥራይ ኣይኮነን መግለፂኡ። ኣብቲ ዝተጠቕለለ እንጀራ ፍቕሪ ኣሎ። ምትሕስሳብን ኣኽብሮትን ኣሎ" ክብል ይዛረብ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







