ሓድሽ ፖሊሲ ኣሜሪካ፡ ንምብዳህ ቻይናን ሩስያን ኣብ ኣፍሪቃ

ጆን ቦልተን ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ጥቅምቲ 2018

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጆን ቦልተን ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን

ቻይናን ሩስያን ኣብ ኣፍሪቃ ጽልወአን ንምስፋሕ `ድፉንን` `ብልሹውን` ኣሰራርሐ ይጥቀማ ኣለዋ ክትብል ኣሜሪካ ወቒሳ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጆን ቦልተን፡ እተን ክልተ ሃገራት `ደይመደይ ኢለንን ብጎነጽን` ኣብ`ታ ኣህጉር፡ ጸብለልታ ቁጠባዊ ረባሓ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ንምርካብ ይጽዕራ ኣለዋ ኢሉ።

ሓድሽ ስትራቴጂ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ንግድን ምብዳህ ግብረ-ሽበራን ከተኩር ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ድማ፡ ኣሜሪካ ድሕሪ ደጊም `ውጺኢት-ኣልቦ` ንዝኾኑ ተልእኾታት ምዕቃብ ሰላም ከምዘይትምውል ገሊጹ።

`ብመሰረት ሓድሽ ሜላና፡ ዝኾነት ንወስዳ ውሳነ፡ ዝኾነ ንኽተሎ ፖሊሲ ይኹን ዝኾነት ንሓገዝ ንህባ ዶላር ቀዳምነታት ኣሜሪካ ኣብ`ዚ ዞባ እተደንፍዕ ክትከውን`ያ` ኢሉ ጆን ቦልተን፤ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ሄሪቴጅ ፋውንዴሽን ኣብ ዘስምዖ መደረ።

ቻይና `ጉቦ፣ ዘይቅሉዕ ውዕላትን፡ ንሃገራት ኣፍሪቃ ብዕዳ ጅሆ ሒዝካ ንባህግታትን ጠለባትን ቻይና ተማእዘዝቲ ናይ ምግባር ፖሊሲ ትኽተል ኣላ` ብምባል ድማ ወቒሱ።

ቻይና ኣብ ልዕሊ ጂቡቲ ዘለዋ ድርኺት፡ ነቲ ኣብ ጂቡቲ ዘሎ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣሜሪካ ብቐጥታ ምጽላው ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ንሚዛን ሓይሊ ንግዲ ናብ ምብራቕ ገጹ ከዛዝዎ ከምዝኽእል ሓቢሩ።

ሩስያ ድማ ጽልዋኣ ኣብ ኣፍሪቃ ንምዕዛዝ `ንሕጊ ይኹን ተሓታትነትን ምሕደራዊ ግሉጽነትን ሸለል ብምባል ፖለቲካውን ቁጠባውን ዝምድናታታ ንምሕያል ትህቅን ኣላ` ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ ሩስያ `ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድምጺ ንምርካብ ኢላ ኣጽዋርን ነዳድን ትሸይጥ፡ ንውልቃዊ ጥቕማ ድማ ካብ`ዚ ዞባ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ትምዝሕቕ ኣላ` ኢሉ።

መደረ ጆን ቦልተን ነቶም ድሮ ኣህጉሮም ዓውዲ ምስፍሕፋሕ ኣጀንዳታት ሓያላን ሃገራት ኮይና ኢሎም ዘዕዘምዝሙ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ዝያዳ ሻቕሎት ክፈጥረሎም ከምዝኽእል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣን ሶይ ጸብጺባ።

ብምኽንያት`ዚ ስልቲ ናይ ኣሜሪካ፡ ገለ ኣፍሪቃውያን ንውጥናት ቻይናን ሩስያን ኣብ ኣፍሪቃ ብዓይኒ ምምሕዳር ትራምፕ ክጥምትዎ ይኽእሉ`ዮም ድማ ኢላ።