ሰኣን ሓንቲ ማይን ብሓንቲ ማይን

ዘራእቲ ቀውዒ

ምናልባት ሓረስቶት ኣፍሪቃ ቋንቋኦም ደኣ ይፍለ ይኸውን እምበር ብፍላይ እቶም ከማና ኣብ ተመሳሳሊ ክሊማ ዝነብሩ ከም ሓረስቶት ሃገርና "ሰኣን ሓንቲ ማይን ብሓንቲ ማይን!" ኢሎም ከምዘስተማስሉስ ርዱእ እዩ።

ኣብዚ ዋሕዚ ዝናብ ዘሸግሮን ዘይንቡር ዝናብ ዘማርሮን ጂአግራፊ ዝነብሩ ሓረስቶት፡ ወትሩ ንሰማይ እናንቃዕረሩ፡ "ደጊም ደበና ይተኣኻኸብ ኣሎ'ሞ ናባና የብሎ።

ኣብ ልዕሊ እታ እምባ እንተተዋህሊሉስ ኣይስሕተናን እዩ!" ክብሉ ጸኒሖም።

ከም ገለ እቲ ደበና እንተተበቲኑን እቲ ዝናብ እንተጎስዩዎምን "ክላ ተካል ንፋስ መጺኡ ዘሪጉዋ እምበር ማይስ ናትና እያ ነይራ!" እናበሉ ብዕድሎም እናመስገኑን እናተማረሩን ዝነባበሩ ሓረስቶት ለብዘበን እውን፡ ሰኣን ሓንቲ ማይ ዘይኮነስ "ብሓንቲ ማይ" ምባሎም ኣይተረፈን።

ኣቦይ ብርሃነ ሃብተ ዓድን ባሕርን እናበሉ ብሕርሻን መጓሰን ዝነባበሩ ሃጥር ሓረስታይ እዮም። ለብዘበን ነፍሲ ወከፍ ቃጽዖን ዋጽልን ሓሪሶም፡ ኣየ ዘብል ዘራእቲ ኣብቊሎም ነይሮም።

ንኩነታት ለብዘበን እንክገልጹ ከኣ "ብቚሊ ለብዘበን ዝናብ ስለዘይሰኣነ ከም ለብዘበን ኣይተራእየን። ከም ሕሱም'ዩ ፈርዩ።

እዘን እኽሊ ነጣርን ጸያቕ ዘርእን ከይተንከፈን ኣብዛ ቖፎአን አእቲናየን እንተሪኢናስ ከም ምቕጭቓጭካ ምኾነ" ክብሉ ድሕሪ ምጽናሕ ዘይተጸበዩዎ ግን ከኣ ዘይቀሰኑሉ ዝናብ መጺኡ ሃስዩዎም።

ግን ሃስዩ ኣይሃሰዮምን። ዝመጽአ ከይመጽአ ብምባል ዓጺዶም ኣብ ቂሚጦታት ሸይሞምዎ ዝጸንሑ ኣስጋምን ጣፋትን ዝናብ ኣግዲዑዎም።

እንተኾነ "ካብ ተረፍ ሓውስ ተረፍ ማይ" ከም ዝበሃል ንዳጎሳሱን መሻሉን መሊሱ ስለዘህጠሮ ብዙሕ ኣይተማረሩን።

ዋለ'ኳ ንገለ ክፋል ዘራእቲ እንተሃሰዮስ ንጥሪት ዝኸውን ደረት ዘይብሉ ሳዕሪ ስለዝኸሓሶም፡ ንዓይኒ ማያት ሩባታቶም ስለዘንተዖን ነግራቦም ስለዘለምለሞን ሕጉስ እዮም።

ናብራ ሓረስታይ ጻዕርን ሃልክን እዩ። ከም ሕርሻ ጉልበትን ግዜን ዝደሊ ከም ሓረስታይ ዝደክምን ዝርህጽን የሎን።

ሓረስታይ ሃገርና ማዕረ እቲ ዝሰርሖን ዝደኽሞን ምስጉን ናብራ ክነብር ብዘይምኽኣሉ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ሕርሻ ብድኽነት እናተተርጐመ ብዝሓት መንእሰያት መነባብሮ ዓዲ ጠንጢኖም ንኸተማ ይውሕዙ።

ንኣብነት ምቕልጣፍን ምድንጓይን ወይ ምብዛሕን ምውሓድን ኩነታት ዝናብ ቀንዲ ጸገም ምልማስ ተስፋ ሕርሻ እኳ እንተኾነ፡ ዘበናዊ ፍልጠትን ክእለትን ዘእምህላው እዩ እቲ ዓቢ ሽግር።

ሓረስቶት ክሳብ ሕጂ ካብቲ ዝጸንሐ ያታዊ ሕርሻዊ ኣገባብ ኣይወጽኡን። በብዑር ተሓንጢጡ፡ እኹል ዝናብን ድኹዕን ካብ ዘይረክብ መሬት፡ ምሩጽ ዘርእን መድሃኒትን ካብ ዘይፈልጥ ግራት ዝጽበዩዎን ዝረኽቡዎን እቶት ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ።

ዘራእቲ ቀውዒ

"ስነፍልጠት እንተዝሕወሶ ግን ሱሱን እቶት ምተረኽበ እሞ ሕርሻ ዓንዲ ሕቖ እቶት ሃገር እዩ ምተባህለ" ይብል ሓረስታይ ነበር ተስፍኣለም ተኽለ።

ሓረስቶትና ብተመኩሮኦም እዮም ዝምርሑ። ለብዘበን ዕፉን ዘሪኦም እንተዘይረቢሖም፡ ንዓመታ ስርናይ ይፍትኑ።

ብእኡ እንተዘይተዓዊቱ መሸላ ይቕይሩ። ክሳብ ርቡሕ እቶት ዝረኽቡን ግራቶም ብዋሬዳ ናብ ዓዲ ዝምለስን፡ ዝተፈላለየ ኣዝርእቲ ይፍትኑ። ኣብ ፈተነ ጥራሕ ከኣ እንተወሓደ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመት የሕልፉ።

ሓደ ሓረስታይ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሓንቲ ዓመት ብዳጉሻ እንተረቢሑ፡ ንዓመትኡ'ውን ዳጉሻ ይደግም።

ሰኣን ሳይንሳዊ ምኽርን ምክትታል፡ ብልምዲ ጥራሕ ኣብ ዝሰርሖ ስራሕ፡ እምብዛ ከይተዓወተ መነባብርኡ ተረሚሱ ይተርፍ።

ስለምንታይ ኢያ እታ ግራት ዑፉን ዘይብቆለት፧ ማይ ድዩ ውሒዱዋ ድኹዒ፡ እቲ ሓመድ ድዩ ነቲ ዘርኢ ዘይተሰማምዖ፡ ወይስ እቲ ዘርኢ እዩ ብቑዕ ዘይነበረ ንክፈልጥ ብቐጻሊ ፈተነ ኣብ ነዊሕ እዋን ተመራሚሩ እንተዘይበጺሕዎ፡ ዝረኽቦ መወከስን ምኽርን ኪላታት ውሑድ ኢዩ።

ኣደይ ዘውዲ ያቆብ እውን፡ ሓንቲ ካብቶም "ካብ ሰኣን ሓንቲ ማይሲ ብሓንቲ ማይ ይሓይሽ!" ብምባል፡ "እቲ ዝዘንበና ዝናብ ከምቲ ንዓዲ ምልእቲ ለኪሙዋ ከይዱ ክበሃል ንሰምዖ ዓይነት ዝናብን ውሕጅን ስለዘይኮነስ ኩሉ ዓቕሚ ነብስና እዩ "ብማለት ነቲ ዘጋጠመ ጸያቕ ዓጺድን ዓውድን ከም ንቡር ይቕበለኦ።

ሓረስታይ ኪዳነ ብርሃነ ካብ ዞባ ደቡብ "ተመስገን!" ይብል'ሞ "ሓረስታይ ንኹሉ ጸገማቱ ብተመስገን እዩ ዝስዕሮ እምበር ንሓረስታይ ዘይገጥሞ ጸገም የሎን" ብምባል ሓረስታይ፡ መሬቱ ሓሪሱ ኣለስሊሱ ከብቁል ካብ ዝጅምር ብጻህያይ፡ ብሓሸራን ሓሰኻን፡ ብነጣሪ ምድርን ሰማይን (ኣንበጣን በረድን) ብባርኖስን ኩብኩብታን፡ ብሕጽረትን ብዝሒ ማይን፡ በዕዋፍን ቀናፍዝን ከምዝጥቃዕ የረድእ።

ይኹን እምበር ለብዘበን እኹል ማይ ስለዝነበረ ሓረስታይ ጻማ ጻዕሩ ክሓፍስ ነዛ ቀውዒ ተተስፍዩ ኣትዩዋ።

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ዝናብ ደሓር መጺኡ ንብዙሓት ገባሮ እኮ እንተጥቀዐአ ኩሉ ሳዕ "ተረፍ ማይ " ስለዝሓይሽ "ተመስገን" እናበለ ዋኒኑ የከናውን ከምዘሎ ይዛረብ።

ኣብ ርእሲ'ቲ ናይ ስልጠናን ትምህርትን ሕጽረታት ስርዓተ ትሕዞ መሬት እውን ዓቢ ቀይዲ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ምኽንያቱ፡ ብዋሬዳ፡ ናብ ዓዲ ተመሊሱ እንደገና ድሕሪ ዝተወሰነ ዓመታት ብዕጫ ኣብ ዝወድቕ ስርዓተ ትሕዞ መሬት ሓረስቶት እቶቶም ክድንፍዕ ኣይከኣለን።

ድሕሪ ዋሬዳ ብዙሓት ሓረስቶት፡ ኣብ ፈለማ ዓመት ግራቶም ክድልድሉ ክጅርፉ፡ ክድኩዑ ፋሕተርተር ይብሉ። ዳሕራይ ግን ማዕረ እቲ ዝተጸበዩዎ እቶት እንተዘይረኺቦም ተገዳስነት የጉድሉ ትብል ሓረስታይ ሃና ሃይለ።

ነብሲ ወከፍ ሃገር ሓረስቶት ሃገራ ንምድንፋዕ፡ ስልጠናን ትምህርትን፡ ምኽርን ደገፍን፡ ምሩጽ ዘርእን ድዂዕን ተቕርብ እያ።

ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ እውን ነዊሕ ይገብር፡ ኣብ "ስነ ኣትክልቲ፡ ስነ ዘራእቲ፡ ሕርሻዊ ኤክስተንሺን፡ ምርባሕ ደርሁ፡ ተላገብቲ ሕማማት፡ ውሽጣውያን ዘይተላገብቲ ሕማማት፡ ምርባሕ እንስሳታት፡ ዓይነታት ሓመድ፡ ስነ ገረብ፡ ስነ ጀርዲን፡ ምክልኻል ቡቕሊ፡ ወጌሳን ስነ መወልዳንን፡ ስነ ቑጠባ፡ ስነ ቕርጽን ስነ ተግባርን እንስሳን" ዘተኮረ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዝተፈላለየ ኣርእስትን ሞያን ዝድህስሱ መጻሕፍቲ ኣሕቲሙ።

ንነፍሲ ወከፍ ዞባን ናይ ሓበሬታ ማእከላትን ንክፍሊ ትምህርትን መወከሲታት ክኸውን ዓዲሉ ነይሩ።

ዘራእቲ ቀውዒ

ይኹን እምበር ሕርሻን ምርባሕ ከብትን ለጊብካን ተኸታቲልካን እንተዘይሒዝካዮ ከምቲ እትጽበዮ ከድምዕ ስለዘይክእል፡ "ቀጻሊ ደገፍን ምኽርን እዩ ዘድልየና" ትብል ኣብ ርእሲ ሕርሻ ብርክት ዝበላ ደርሁ ብምፍራይ ናብራኣ ከተመሓይሽ እትፍትን ሃና።

ለብዘበን እውን ምኒስትሪ ሕርሻ ባልዕን ጸያቒ ዓጺድ ዝናብን ክመጽእ ስለዝኽእል ሓረስቶት ተቐላጢፎም ምህርቶም ክእክቡ ምኽሪ ሂቡ ነይሩ።

ብዙሓት ሓረስቶት እውን ንምኽሪ ምኒስትሪ ሕርሻ ሰሚዖም ከምቲ ዝተባህሎም ገይሮም ከብቅዑ እዮም ዳሕራይ ግራውቶም ዓጺዶም ኣብ ቁሚጦ ምስኮመሩዎ እዩ ዝናብ ደሓር ኣዳህሊሉዎም።

ግን ከኣ ከምቲ ብዙሓት ሓረስቶት ዝበሉዎ ካብ "ሰኣን ሓንቲ ማይን ብሓንቲ ማይን" ተረፍ ማይ ይሓይሽ ብምባል ቀውዖም ይእክቡ ኣለዉ።