ኣብያ ክታበት፡ ንፍዮ ክስዕርር ምሕጋዙ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ

ኣብ ጉዳይ ክታበት ብጽቡቕ ከም ዝሰጎመትን ንሸቶታት ሚለንዩም ኣብ እዋኑ ካብ ዝወቕዓ ሃገራት ከም ዝኾነት እትግለጽ ኤርትራ፡ ኣብዚ ዓመት ሰፊሕ ወፍሪ ኣንጻር ንፍዮ ተካይድ ኣላ።

እቲ ወፍሪ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክታበት ንፍዮ ዘይተኸትቡ ረኺብካ ምኽታብ፡ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ተኸቲቦም ምሉእ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ዘየማዕበሉ ናይ ምክልኻል ኣቕሞም ንምምዕባልን ኣብ ኤርትራ ሸፈነ ክታበት ንፍዮን ሩቤላን ናብ ልዕሊ 95 ሚእታዊት ንምብራኽን ምዃኑ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝወጸ ጽሑፍ ይገልጽ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ካብ 21 ክሳብ 30 ሕዳር፡ ብደረጃ ሃገር ከቢድ ሸፈነ ዘለዎ ሃገራዊ ክታበት ንፍዮ፡ ሩበላን ቫይታሚን ኤን የካይድ ምህላው መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ጸብጺበን እየን።

ኣብ መላእ ዓለም ንፍዮ ጠፊኡ ኣብዝተባህለሉ ዳግም ይስዕርር ከምዘሎን፡ ዓሚ ጥራይ በቲ ዝተኸስተ ለበዳ፡ ብዙሓት ሃገራት ከምዝተጠቕዓን ሓደ ጸብጻብ ኣጠንቂቑ።

ለበዳ ንፍዮ ኣብ 2017 ካብቲ ኣብ 2016 ዝነበሮ፡ ብ30 ሚኢታዊት ከምዝወሰኸ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።

ጠንቂ ምውሳኽ ናይቲ ሕማም ድማ ውድቀት ናይ ጥዕና ኣገልግሎትን ብዛዕባ`ቲ ክታበት ናይ ሓሶት ዜና ምዝርጋሕን ከምዝኾነ ገለ ክኢላታት ገሊጾም።

እቲ ኣንጻር ንፊዮ ዝውሃብ ክታበት ሚልዮናት ሂወት ከም ዘድሕን ግና፡ እቶም ክኢላታት ይሕብሩ።

`ኣዝዩ ዘሰንብድሕማም ንፍዮ`

ንፍዮ ኣዝዩ ተላብዒ ሕማም ኢዩ። ኣብ ሕማቕ ኩነታት፡ እቲ ሕማም ዕውረት፡ ኒሞንያን [ነድሪ ሳንቡእ] ረኽስን ሕብጠትን ናይ ሓንጎል የስዕብ።

ውድብ ጥዕና ዓለምን ማዕከን ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ብሓባር፡ ኩነታት ሕማም ንፍዮ ኣብ ዝሓለፈ 17 ዓመታት ከመይ ከምዝነበረ መጽናዕቲ ኣካይደን።

በመሰረት እቶም ክኢላታት ዘካየድዎ መጽናዕቲ ድማ፡ ሎሚ ዓመት እቲ ሕማም ቀጻሊ ምውሳኽ የርኢ ከምዘሎን፡ ምስ ንፍዮ ብዝተኣሳሰር ኣስታት 110,000 ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጾም።

እዞም ክኢላታት፡ እቲ ኣብ ክረምቲ 2018 ኣብ ኤውሮጳ ዝተራእየ ምውሳኽ ሕማም ንፊዮ ኣዝዩ ኣሻቒልዎም።

ኣብ ዞባታት ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳን ኣብ ምብራቓዊ ከባቢ ማእከላይ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ሕማም ንፊዮ ክውስኽ ከሎ፡ በንጻሩ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝርከባ ሃገራት ድማ እቲ ሕማም ክንኪ ተራእዩ።

ቬኔዙላ፡ ዋላ`ኳ ኣቐዲማ ንፊዮ ካብ ሃገራ ኣወጊዳቶ እንተነበረት፡ ብሰንኪ`ቲ ኣብታ ሃገር ዝተጋህደ ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው፡ እቲ ናይ ጥዕና ኣገልግሎታት ብስርዓት ብዘይምስርሑን ናይ ንፊዮ ረኽሲ ተራእዩ ኣሎ።

ብሰንኪ ቀጻሊ ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ዝግበር ናይ ምንቅስቓስ ሰባት እቲ ሕማም ብቐጻሊ ክላባዕ ተኽእሎታት ብምህላው ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ ሃገራት ዩክሬይን፡ ጣልያን፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ግሪኽን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተርእዮታት ናይቲ ሕማም ወሲኹ ኣሎ።

ዓሚ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዓዲ እንግሊዝ ካብቲ ሕማም ነጻ ኢያ ኢሉ ኣዊጁ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ 2018 ንእሽቶ ምልባዕ ናይቲ ሕማም ተራእዩ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ፡ ዓበይቲ ዶክተራት ዓዲ እንግሊዝ፡ ወለዲ ነቲ ኣንጻር`ቲ ክታበት ዝብሃል ጽውጽዋይ ንዮው ብምባል ደቆም ከኽትቡ ተማሕጺኖም።