ኤርትራውያን ኣትሌታት ዝተሳተፍሉ ዓብዪ ጉያ ኢትዮጵያ

ኣብ መበል 18 ውድድር ዓብዪ ጉያ ኢትዮጵያ ብደቂ ተባዕትዮ፡ ሓጎስ ገብረህይወት ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ፎቴን ተስፋይ ተዓወትቲ ኾይኖም።

ኣብ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ ዝተጠርነፈ ሓጎስ ገብረህይወት፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት'ውን 28 ደቒቕን 37 ሴኮንድን ከምዝተዓወተ ዝዝከር'ዩ።

ውድድር ዓብዪ ጉያ፡ ብተበግሶ ኣትሌት ሃይለገብረስላሴ ብ2000 እንትወሃሃድ፡ ብርክት ዝበሉ ዓበይትን ፍሉጣትን ኣትሌታት ኢትዮጵያ እናሳተፈ መጺኡ'ዩ።

ልዕሊ 44 ሽሕ ሰባት ከክሳተፍሉ ትጽቢት ተገይሩ ኣብ ዝተዳለወ ውድድር ጉያ እዚ ዓመት ድማ፡ ኤርትራውያን ኣትሌታትን ካልኦትነ 400 ወጻእተኛታትን ተሳተፍቲ ኾይኖም።

ኣዳለውቲ ናይቲ ውድድር ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዝበልዎ፡ ተዓወትቲ ኣትሌታት፡ መርመራ ናይ መበራትዒ መድሓኒታት ከምዝግበረሎም ገሊጾም ነይሮም።

ብቅድድም ጉያ 10 ሽሕ ሜትሮን ፍርቂ ማራቶንን ውሩይ ዝኾነ ኤርትራዊ አትሌት ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ኣብ'ቲ ዓብዪ ጉያ ኢትዮጵያ ካብ ሞንጎ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ኣትሌታት'ዩ።

"ናብ ኢትዮጵያ ብምምጸአይ ተሓጒሰ እየ። ኣዳለውቲ ናይቲ ውድድር ስለዝዓደሙኒ ድማ የመስግኖም" ኢሉ።

ብኣቆፃፅራ ኤውሮጳውያን፡ ኣብ ኦሎምፒክ 2012፡ ተዓዋቲ ሜዳልያ ወርቂ ዝኾነ ኡጋንዳዊ ስቴፈን ኪፕሮቲች'ውን ተሳታፊ እቲ ውድድር ነይሩ።

ሕሉፍ ተዓወትቲ ውድድር ዓብዪ ጉያ (ደቂ ተባዕትዮ ጸጋም፡ ደቂ ኣንስትዮን የማን)

መእተዊ ሰዓት፡ ደቒቅን ሴኮንድን

  • 2001፡ ሃይለ ገብረስላሴ 30፡04፣ ብርሃነ ኣደሬ 35፡ 07
  • 2002፡ ገብረእግዝኣብሄር ገብረማርያም 30፡15፣ ወርቅነሽ ኪዳነ 34፡ 34
  • 2003፡ ስለሺ ስህኔ 29:52.71፣ ጥሩነሽ ዲባባ 34 ደቒቕን 48 ሴኮንድን
  • 2004፡ ኣበበ ዲንቀሳ 29 ደቒቕን 57 ሴኮንድን፣ ገነት ጌታነህ 34 ደቒቕን 18 ሴኮንድን
  • 2005፡ ከተማ ንጉሴ 28:24.13፣ ገነት ጌታነህ 33:05.13
  • 2006፡ ደሪባ መረጋ 28:18.61፣ በላይነሽ ፍቓዱ 33:02.25
  • 2007፡ ጸጋየ ከበደ 29:06.50፣ ውዴ ኣያለው 33:50.86
  • 2008፡ ጫላ ደጫሳ 28:55፣ ውዴ ኣያለው 33:31
  • 2009፡ ጥላሁን ረጋሳ 28:36፣ ኮረን ጀላላ 33:03
  • 2010፡ ኣዝመራው በቀለ 29:25፣ ሱሌ ኡቱራ 33:35
  • 2011፡ ሞሲነት ገረመው 28:37፣ ኣበበች ኣፈወርቅ 32:59
  • 2012፡ ሓጎስ ገብረህይወት 28:37፣ ኣበሩ ከበደ 33:27
  • 2013፡ ኣጸዱ ጸጋይ 29:21፣ ነጻነት ጉደታ 33:23
  • 2014፡ ኣዝመራው በቀለ 30:11፣ ውዴ ኣያለው 34:03
  • 2015፡ ታምራት ቶላ 28:44፣ ማሚቱ ዳስቃ 32:16
  • 2016፡ ኣቤ ጋሻሁን 28:53፣ ፎቴን ተስፋይ 33:09
  • 2017፡ ሰለሞን ባረጋ 28:36፣ ዘኒባ ይመር 32:30