ፖሊስ ፓሪስ፡ ሓንቲ ውላድ ኣምበሳ ኣብ መኪና ከምዝተረኸበት ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፖሊስ ፈረንሳይ፡ ኣብ ከተማ ፓሪስ፡ ኣብ ሓንቲ ዘመናዊት መኪና፡ ውላድ ኣምበሳ (ኩርኩር) ከምትርከብ ተደዊሉ ተነጊርዎ።
እቶም ፖሊስ ኣብቲ ከባቢ በፂሖም፡ ነታ ዘበናዊት ላምቦርጊኒ መኪና እንተኸፈቱ ፡ መራሒ እታ መኪና ምስታ ውላድ ኣምበሳ ደረቕ ስእሊ እናተስኣለ ይረኽብዎ።
ወዲ 33 ዓመት መራሒ እዛ መኪና፤ ''ድሙ'' መሲላትኒ እያ ዋላ እንተበለ፡ እዚ ምኽንያት ግና ናብ ቤትማእሰርቲ ካብ ምድጓን ኣየድሐኖን።
እዛ ፑቲን ብዝብል ስም እትፅዋዕ ውላድ ኣምበሳ (ኩርኩር) ዕድመ ክልተ ወርሕን ፈረቓን ኣለዋ።
ፑቲን ካብ ሓደ ብዘይመንግስታዊ ትካል ዝድገፍ ሕዛእቲ እንስሳ ተወሲዳ፡ ኣብዛ መኪና ከምዝተረኸበት ፖሊስ ፈረንሳይ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እውን፡ ኣብ ፓሪስ ሓደ ውላድ ኣምበሳ ኣብ ሓደ ህንፃ ተረኺቡ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







