ፕረዚደንት ጋቦን ኣሊ ቦንጎ ብፅኑዕ ሓሚሞም

ፕረዚደንት ጋቦን ኣሊ ቦንጎ ብፅኑዕ ሓሚሞም ዝቐነዩ እንትኸውን፡ ንሰሙናት ብዛዕበኦም ዝተውሃበ መግለፂ ኣይነበረን። ንመጀመርታ ግዘ ትማሊ፡ ወሃቢ ቃል ቤት ፅሕፈት እቶም ፕረዚደነት፡ ብፅኑዕ ከምዝሓመሙን ሕዚ እናሐሾም ምዃኑን ተዛሪቡ።

ብዛዕባ እዞም ወዲ 59 ፕረዚደንት ጥዕና ዝምልከት፡ ዝተፈላለየ ግምታት ክውረ ቀኒዩ እዩ።

ኣቶም ፕረዚደንት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምሕማሞም ካብ ዝንገር ጀሚሩ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ናይ ሕክምና ሓገዝ ይግበረሎም ከምዘሎ ድማ ይዝረብ።

ወሃቢ ቃል እቶም ፕረዚደንት ኢይክ ንገጓኒ፡ ፕረዚደንት ቦንጎ ደሓን ኮይኖም እዮም ዝብል መግለፂ ሂቡ።

ዋላ'ኳ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ሕማም ወቕዒ ምኳኑ እንተ ዘይገለጸ፡ እቶም ፕረዚደንት ደም ይፈሶም ምንባሩን ሕክምናዊ ሓገዝ ይግበረሎም ከምዘሎን ገሊፁ።

ኣሊ ቦንጎ፡ ነዛ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንኣርባዓ ዓመት ዝገዝኡ ኣቡኦም ዖማር ቦንጎ ተኪኦም፡ ኣብ 2009 እዮም ናብ ስልጣን ደይቦም።

ብምጭብርባርን ዕግርግርን ዝተዛዘመ ሃገራዊ መረፃ 2016፡ ብፀቢብ አፈላለይ ድማ ተዓዊቶም።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ፕረዚደንት ቦንጎ ንህክምና ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝገሽሉ እዋን፡ መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ፡ ተዓዋታይ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ሓደ ናይታ ሃገር ጋዜጣ፡ እታ ሃገር "መራሒ-ኣልቦ እያ ዘላ"፡ ስለዝኾነ ድማ "እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ነቲ ፕረዚደንት ክትከኦ ኣለዎ"ኢሉ ብምፅሓፉ ንሰለስተ ወርሒ ካብ ዕዳጋ ተኣጊዱ።