እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካሜሮን፡ ተጨውዮም ዝጸንሑ ተምሃሮ ተፈቲሖም
እቶም ካብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህረቲ ካሜሮን ተጨውዮም ዝነበሩ ነጻ ምውጾም ሰብ መዚ ካሜሮን ሓቢሮም።
79 ተምሃሮ ዝርከብዎም 82 ሰባት ብሰኑይ ካብ ዋና ከተማ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ካሜሮን ዝኾነት ከተማ ባሜንዳ ኣብ ዝርከብ ኣሕዳሪ ትምህርቲ ምጭዋዮም ዝዝከር እዩ።
ርእሰ መምህር እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ኣውቲስታን ሓደ መምህርን ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ እቶም ጨዋዮ ምህላዎም ወኪል ቢቢሲ ማየኒ ጆንስ ሓቢራ።
ኣብ ካሜሮን እንግሊዝ ቋንቋ ዝዛረቡ ወገናት ካብ ሃገረ ካሜሮን ናይ ምፍላይ ጠለብ የቕርቡ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነዚ ናይ መጭወይቲ ተግባር ንሶም ከምዝፈጸምዎ መንግስቲ ክሕብር ጸኒሑ'ዩ።