ኒውሃቭን፡ 15 ህጻናት ኣብ ውሽጢ ፍርጅ ዘለዋ መኪና ተረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ደቂ 12 ዓመት ህጻናት ዝርከብዎም ዕስራን ሓደን ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ፍርጅ ናይ መኪና ተጻዒኖም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክኣትዉ ኣብ ዝፈተንሉ ተታሒዞም።
እዞም ቬትናማውያን ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተጠርጢሩ ዘሎ 21 ሰባት ብሰሉስ'ዮም ተታሒዞም።
ብመሰረት ካብ ሓለዋ ዶብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተውሃበ ሓበሬታ፡ ተወሳኺ ምጽራይ ይግበር ከምዝሎ'ዩ ዘመላኽት።
መራሒ እታ ዓባይ መኪና ሮማንያዊ ኮይኑ፡ ብዘይውሑስን ብዘይሕጋዊ መገዲን ሰብ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከእቱ ብምፍታኑ ክሲ ተመስሪትሉ'ሎ።
እዛ 15 ህጻናትን ሽዱሽተ በጽሕታትን ኣብ ፍርጅ ሓቢኣ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክትኣቱ ዝፈተነት ዓባይ መኪና ካብ ከተማ ዲአፐ ፈረንሳ ከምዝተበገሰት ተፈሊጡ ኣሎ።
እቶም ኣብ ውሽጡ እቲ ፍርጅ ዝጸንሑ ህጻናት፡ ጥዕንኦም ኣብ ድሓን ኩነታት ስለዝርከቡ ናብ ክፍሊ ትሕቲ ዕድመ ኣግልግሎት ከምዝዕቆቡ ተገይሩ ኣሎ።
ክልተ ካብቶም ኣብታ መኪና ተጻዒኖም ዝነበሩ ወዲ 18 ዓመትን ጓል 27 ዓመት ግን ካብ ዓዲእንግሊዝ ከምዝወጹ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።
ካልኦት 4 በጽሕታት ክኣ ጉዳዮም ንኽጻረ ኣብ ክፍሊ ኢመግሩሽን ተታሒዞም ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







