ጃፓን፡ ካብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፡ ሎሚ ዓመት ዝለዓለ ነብሰ ቅትለት መንእሰያት ተመዝጊቡ

ሚኒስተር ትምህርቲ ጃፓን ኣብዚ ዓመት 250 ህጻናት ነብሰ ቅትለት ከምዝፈጸሙ ብምሕባር፡ እዚ ተርእዮ ኣብ ውሽጢ ሰላሳ ዓመታት ካብ ዝተርኣየ ክስተታት ዝለዓለ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ዓመተ 2016/7 ክሳብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ መባእታ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዝምሃሩ ዝነበሩ 250 መንእሰያት ነብሰ ቅትለት ከምዝፈጸሙ ኣብ መዝገብ ሰፊሩ ኣሎ።

እዚ ቁጽሩ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብሓሙሽተ ክዛይድ እንከሎ፡ ካብ 1986 ዘጋጠመ ነብሰ ቅትለት መንእሰያት ጃፓን፡ ዝለዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።

ንህጻናት ዝሕለቕ ትካል ጃፓን፡ ጸገም ስድራ፡ ጭንቀትን ብሩህ መጻኢ ዘይምህላውን ዝኣመሰሉ ጠንቂ እዚ ልዑል ነብሰ ቅትለት ኢሉ ክጠቕሶ እንከሎ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ግን ተምሃሮ ነብሰ ቅትለት ኣብ ዝፈጸምሉ ጽሑፍ ስለዘይሓደጉ፡ እቲ ምኽንያት ከምዘይፍለጥ ሓቢሮም።

መብዛሕተኦም እቶም ነብሰ ቅትለት ዝፈጸሙ ጃፓናውያን፡ ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ እዮም።

ኣብ 2015 ብቤት ጽሕፈት ካቢነ ጃፓን፡ ካብ 1972-2013 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ብተምሃሮ ዝተፈጸሙ ነብሰ ቅትለታት ኣመልኪቱ መጽናዕቲ ብምግባር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ዝበዝሐ ነብሰ ቅትለት ኣብ ምጅማር ካልኣይ መንፈቕ ዓመት ትምህርቲ፡ ማለት እውን ኣብ ወርሒ መስከረም ከምዝፈጸም ይገልፅ።

በመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ጃፓን ኣብ 2015 ዝለዓለ ነብሰ ቅትለት ዝፍጸመላ ሃገር ተባሂላ ሰፊራ ከምዝነበረት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንነብሰ ቅትለት ንምግታእ ዝተኣታተወ ኣገባብ ግን እቲ ኣሃዝ ክጎድል ከምዝገበሮ ይሕብር።

ኣብ 2003፡ ካብ ጠቅላላ ህዝቢ ጃፓን 34,500 ነብሰ ቅትለት ክፍጽሙ እንከለዉ፡ ኣብ 2017 ግን እቲ ቅጽሪ ናብ 21,000 ጎዲሉ።

እንተኾነ ብመንእሰያት ዝፍጸም ነበሰ ቅትለት ግን ብተዛማዲ ወሲኹ ይርከብ፡ እዚ ክኣ ብመንእሰያት ዝፍጸም ነብሰ ቅትልት ካብ ቀንዲ ጠንቂ ሞት ኮይኑ ይርከብ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ጃፓን ኖርያክ ኪታዛኪ እዚ ቀጽሩ ኣሻቃሊ ምኻኑን፡ ንምግትኡ ህጽጽ ፍታሕ ከምዝድልን ተላብዩ ኣሎ።