ግብጺ፡ ዋዕላ መንእሰያት ዓለም ኣብ ወደባዊት ከተማ ሻርክ ኣልሼኽ ይካይድ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ (ጸጋም)፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት የማነ ገብረመስቀል

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

ኣብ "2ይ መድረኽ መእንሰያት ዓለም" (2nd World Youth Forum) ዝሰምየ ዋዕላ መንእሰያት ኣብ ግብጻዊት ከተማ ሻርም ኣል-ሼኸ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ዋዕላ፡ ካብ ኣስታት 145 ሃገራት ዝመጹ ልዕሊ 5000 መንእሰያት ይሳተፉ ምህላዎም ማዕከናት ዜና ግብጺ ሓቢረን።

ካብ ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀልን ኣብቲ ዋዕላ ይሳተፉ ከም ዘለዉ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣፍሊጡ።

ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ (ሃማመተኤ) ግን "ብቴክኒካዊ ምኽንያት" ኣብቲ ዋዕላ ከም ዘይሳተፍ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብዙሓት መንእሰያት ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ኣብ ከም በዓል ግብጽን ካልኦት ሃገራት ዓለምን ዕቑባ ከም ዝሓቱ ይፍለጥ።

ሰብመዚ ኤርትራ ድማ ብሰንኪ ኣተሓሕዛ መንእሰያት ኣብ ኤርትራ ክንቀፉ ጸኒሖም'ዮም። ገለ ናይዞም ብዕድሚኦም መንእሰያት ዘይኮኑ መራሕቲ ናብቲ ዋዕላ ምስታፎም'ውን ብነቔፈታዊ ዓይኒ ዝጠመትዎ ኣይተሳእኑን።

"ብኣሽሓት ዝቖጸሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት ኣብ ግብጺ ይሳቐዩ ኣለዉ። እዞም 'መራሕቲ እዚኦም' ግን ንመንሰያቶም ኣይሰምዕዎምን'ዮም" ክትብል ሓንቲ ተጠቃሚት ትዊተር ጺሓፋ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ ብቐዳም ነቲ ዋዕላ ብወግዒ ከፊትዎ። ሓያሎ ፍሉጣት ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላት ዝኾኑ መንእሰያት ኣብቲ ኣኼባ ይሳተፉ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

ቀንዲ ኣተኩሮ ናይቲ መድረኽ፡ ኣብ ጉዳያት ሰላም፡ ልምዓትን ፈጠራን ዝመሰሉ ዓበይቲ ጉዳያት ከም ዘተኩር መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ዋዕላ የረድእ።

ኣብ ምርግጋጽ እዞም ዓበይቲ ዛዕባታት ድማ ተሳተፍቲ መንእሰያት ንሓድሕዶም ሓሳባት ክለዋወጡን፡ ንመራሕቲ መንግስታት ናይ ፓሊሲ እማመታት ከቕርብሎም ዕድል ዝኸፍት ኣጋጣሚ'ዩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ጋጣሚ "ዋዕላ ሞደል ዓረብ-ኣፍሪቃ" ክካየድ ምዃኑ'ውን እቲ መርበብ ሓበሬታ ይገልጽ።