እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብዚ ምርጫ፡ መን ኮን ክስዕር'ዩ?
ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ካብ ክፍለ-ሃገር ናብ ክፍለ-ሃገር ኣሜሪካ እናኸደ ብቐጻልን ብናህርን ንኣባላት ሰልፊ ረፓብሊካን ይጕስጕሶም ኣሎ። ስለምንታይ?
እዚ ናይ ሎም-ዘበን ፍርቂ-ወቕቲ ምርጫ ኣብ ታሪኽ ሕ.መ.ኣ. እቲ ኣዝዩ ዜነሓንሕ ዘመተ ኰይኑ ይርከብ።
ፕረሲደንት ትራምፕ ዘባረዖም፡ ከም እኒ 'ብቃፍላይ ስደተኛ ተወረርና'፡ 'ትውልዳዊ መሰላት ስደተኛታት ይሰሓብ' ዝኣመሰሉ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ኣርእስትታትን ዛዕባታትን ኣለዓዒሉ ንህዝቢ አመሪካ ኣብ ፈላላዩ ደምበታት ጸሚዱዎም ይርከብ።
በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፡ ኣንጻር ትራምፕ ዝጕስጕሱ ዘሎዉ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራትስ - ሓውሲ ገስገስቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ጕጅለታት ዉሑዳን፡ መንእሰያት - ብዓውታ ይምክትዎ ኣሎዉ።
ብዙሓት ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ፡ ኣብ ኣመሪካ ከምዚ ዘኣመሰለ ክቱር ወጥሪ ዝተሓወሶ ፖለቲካዊ ቅድድም ተራእዩ ኣይፈልጥን።
ፍርቂ-ወቕቲ መረጻ ማለት ...
ኣብ ኣመሪካ ዝካየድ ዘሎ ህሉው ናይ ፖለቲካ ሃዋህው ንምሉእ ዓለም የዛርብ ኣሎ። ኣመሪካ ኣብ ቅነ ፍርቂ-ወቕቲ መረጻ ትርከብ።
ፍርቂ-ወቕቲ ምርጫ እንታይ ማለት'ዩ? ኣብ ሕ.መ.ኣ. ክልተ ዓመት ድሕሪ ፕረሲደንታዊ መረጻ፡ ናይ ፍርቂ-ወቕቲ ምርጫ ይካየድ።
እዚ ማለት ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ካብ ዚመጽእ ድሮ ክልተ ዓመት ስለ ዝመልአ፡ ሕጂ ንዕለት 6/11/2018 ፍልይ ዝበሉ፡ ናይ ኣባላት ኮንግረስ መረጻታት ክካየዱ ስለ ዝዀኑ፤ ተወዳደርቲ - ማለት ወከልቲ ባይቶ ዀኑ ላዕለዋይ ሓጋጊ ኣካል ሕ.መ.ኣ. - ኣብ ሸበድበድ ይርከቡ።
ናይ ሕ.መ.ኣ. ሓጋጊ ኣካል፡ ኮንግረስ ክበሃል ከሎ፡ ብኽልተ ካመራታት (ክፍልታት) ከኣ ዝቖመ'ዩ - ብወከልቲ ባይቶን (House of Representatives) ብላዕለዋይ ሓጋጊ ኣካልን (Senate)።
እዚ መረጻ'ዚ ዋላ'ኳ ንፕረሲደንት ትራምፕ ብቐጥታ ኣይተንክፎ፡ እቶም ዝምረጹ ኣባላት ኮንግረስ ግን (ባይቶ ወከልትን ሰናቶራትን) ኣብ ምምሕዳር ዋይት ሃዉስ (ትራምፕ) ዓቢ ጽልዋ ክህልዎም'ዩ።
ነዚ'ዩ ትራምፕ ምእንቲ ኣባላት ሰልፊ ረፑብሊካን ጸብለል ክብሉ ኣብ ፈቐድኡ ላዕልን ታሕትን ክብል ዝርአ ዘሎ።
ክሳብ ሕጂ ኣባላት ኮንግረስ (ኣብ ክልቲኡ ክፍልታት ቤት ምኽሪ) ብኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን (ናይ ፕረሲደንት ሰልፊ) ተዓብሊሎም ስለ ዝጸንሑ ኣብ ፖለቲካ ሕ.መ.ኣ. ጸብለልትነት ነይሩዎም'ዩ።
እቶም ክልተ ሰልፍታት ደሞክራትን ረፑብሊካናን ይበሃሉ።
ስለዚ ኣብዚ እዋን'ዚ ሰልፊ ሪፓብሊካን እንተድኣ ተሳዒሮም፡ ምሕደራ ትራምፕ ሰንከልከል ክብል'ዩ - ብኻልእ ኣዘራርባ ንድልየቱ ዝብድሁ ወከልቲ ብጸቢብ ክምክትዎ'ዮም።
ወከልቲ ባይቶን ሰኔትን
ባይቶ ወከልትን ኣባላት ሰኔትን ብሓባራ ኮንግረስ ተባሂሎም ይጽውዑ፣ ስርሖም ከኣ ሕጊ ምርቃቕን ምጽዳቕን'ዩ።
ብተወሳኺ፡ ሰኔቶራት ፕረሲደንት ትራምፕ ዝመረጾም መራሕቲ መንግስቲ (ከም እኒ ኣባላት ካቢኔ፡ ፈራዶ፡ ኣምባሳደራት ... ወዘተ) ንኸጽድቕሉ (ወይ ከኣ ንኽቃወሙ) መሰል ኣሎዎም።
ቍጽሪ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሰኔት 100 ኢዩ። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ነፍሲ-ወከፍ ክፍለ-ሃገር ክልተ ሰናቶራት ክትልእኽ መሰል ስለ ዘሎዋ'ዩ - ኣብ ሕ.መ.ኣ. ኸኣ 50 ክፍለ-ሃገራት ኣለዋ።
ኣባላት ሰኔት ንሽድሽተ ዓመት'ዮም ዝምረጹ። ኵሎም ኣባላት ኣብ ሓደ እዋን ኣይኰኑን ዝምረጹ።
እቲ መረጻ ኣብ ከክልተ ዓመት'ዩ ዚካየድ። እዚ ብምብርራይ ወይ ከኣ ብተዘዋዋሪ መልክዕ ይካየድ።
ኣብዚ ዚካየድ ዘሎ መረጻ፡ ሓደ ሲሶ ዝዀኑ ሰናቶራት ኣብ መረጻ ክቐርቡ'ዮም። ድሕሪ ክልተ ዓመት ከኣ ከምኡ - ሓደ ሲሶ ኣብ መረጻ ይቐርቡ። ብድሕሪ ክልተ ዓመት ከኣ እቶም ዝተረፉ ይስዕቡ።
ኣመራርጻ ወከልቲ ባይቶኸ? ቍጽሪ ኣባላት ወከልቲ ባይቶ 435 ኢዩ። ካብ መረጻ ሰናቶራት ፍልይ ብዝበለ ኣገብብ ሕጂ ብምሉኦም ኣብ መረጻ ቀሪቦም ይርከቡ።
ኣባላት ወከልቲ ባይቶ ኣብ ከክልተ ዓመት ኢዮም ዝምረጹ።
ሕ.መ.ኣ. 50 ክፍሊ-ሃገራት ተጠቓልል። ኣብ ነፍስ-ወከፍ ክፍሊ-ሃገር ብዙሓትን ሒደትን ነበርቲ ይርከቡ።
ዝበዝሐ ነባሪ ዘሎዋ ክፍሊ-ሃገር ካሊፎርንያ (39.5 ሚልዮን) ክትከውን እንከላ፡ እታ ዝወሓደ ነባሪ ዘላዋ ድማ ዋዮሚንግ (ፍርቂ ሚልዮን) ኢያ።
ኣባላት ወከልቲ ባይቶ ከከም ብዝሒ ህዝቢ ኢዮም ዝውዝዑ። ካሊፎርንያ 53 ወከልቲ ክህልዉዋ እንከለዉ ዋዮሚንግ ግን ሓደ ወካሊ ጥራይ ኢዩ ዘሎዋ።
ንኣብነት ኣብ ጂዮርጅያ፡ 10.5 ሚልዮን ነበርቲ ስለ ዘሎዉ፡ እቲ ክፍለ-ሃገር ኣብ ባይቶ ብ 14 ሰባት ወከልቲ ይውከል። ብሓጺሩ ሓደ ወካሊ ንዳርጋ 700,000 ነበርቲ'ዩ ዝውክል።
መን ኮን ይስዕር?
ደሞክራትስ ንክስዕሩ ብዉሑዱ 218 መናብር የድልዮም። ኣብ'ዚ መረጻ'ዚ፡ ደሞክራትስ ንሓዲኡ ክፍሊ ኮንግረስ (ባይቶ ወከልቲ) ንኽቈጻጸሩዎ ትጽቢት ተነቢሩሎም ኣሎ።
ሕጂ ካብ'ቶም 345 ወከልቲ 193 ናይ ሰልፊ ደሞክራትስ ክዀኑ እንከለው እቶም ዝተረፉ (235) ኣባላት ከኣ ኣባላት ረፑብሊካና እዮም።
ሸውዓተ ዝዀኑ ኣባላት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ቦትኦም የሎውን። ስለዚ፡ ደሞክራትስ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ክስዕሩ እንተ ድኣ ዀይኖም ብዉሕዱ ኣብቲ ዘሎዎም ቍጽሪ ብ23-24 ኣባላት ከዛይዱ ይግብኦም።
እንተ ድኣ ደሞክራትስ ዝያዳ ወናብር ክረኽቡ ክኢሎም፡ ኣቐዲሙ ከምእተገልጸ ንትግባረ መደባት ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ክዓግትዎ ወይከኣ ከዳናጕይዎ ይኽእሉ ማለት'ዩ።
መብዝሕትኡ ፕረሲደንት ትራምፕ ከማልኦም ዝደሊ መደብ-ስራሓት ብባይቶ ወከልቲ ክጸድቑ ኣሎዎም።
ንኣብነት ኣብ ዶብ ኣሜሪካን መክሲኮን መንደቕ ምህናጽ ብባይቶ ወከልቲ ደገፍ ክረክብ ኣሎዎ።
እንተ ድኣ ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ካብ ሰልፊ ሪፓብሊካና ዀይኖም፡ ብደገፎም እቲ ምደብ ከጽድቖ ይኽእል ማለት'ዩ።
ድምጺ ደቂ ኣንስትዮን ዉሑዳን ጕጅለታትን
ኣብ'ዚ መረጻ'ዚ ድምጺ ደቂ ኣንስትዮ ወሳኒ ተራ ክጻወት ትጽቢት ተነቢሩሉ ይርከብ። ቍጽረን ብርክት ዝበለ ተወዳደርቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብዚ መረጻ'ዚ ቀሪበን ኣሎዋ።
ፕረሲደንት ትራምፕ ብደቂ ኣንስትዮ ፍትው ኣይኰነን ክበሃል ይኽእል። ምኽንያቱ ሓሓሊፉ ንክብሪ ደቂ ኣንስትዮ ስለ ዝደፈረን ዝዘለፈን።
እቲ ዝዓበየ ጸገም፡ ትራምፕ ይቕሬታ ዝሓትት ዓይነት ሰብ ኣይኰነን።
በቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፈጸሞ ዘለፋ ኣብ ክንዲ ከመሓይሾ ዝፍትን ጌጋኡ ክዓባብጥን ብሓሶት ክሸፋፍንን ይፍትን ዝብል ርእይቶታት ስለዘሎ፡ ኣካይዳ ምንቅስቓስ 'ሚ-ቱ' (Me Too) ኣጸቢቑ ናብ ሰልፊ ደሞክራትስ ዝዛዘወ ይመስል። ብሓፈሽኡ ኣብዚ ውቕቲ'ዚ ድምጺ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ደሞክራትስ ገጹ ክዘዙ ምዃኑ ትጽቢታት ኣሎ።
ብተወሳኺ መብዝሕትኦም ጸለምቲ ኣመሪካውያን ብኣካይዳ ትራምፕ ሕጉሳት ኣይኰኑን።
ንኣብነት ትራምፕ ን "ኩ ክላክስ ክላን" (ኣሜሪካ ናይ ጸዓዱ እናበሉ ዝጕስጕሱ ማሕበር) ብዘእምን ኣገባብ ኣይኰነኖምን።
ብሰብዓታት ትራምፕ ኣንጻር ጸለምቲ ዝገበሮ ናይ ሌላን-ጕሌላን ገበን ብክፍሊ ፍርዲ ክሲ ከም እተመስረተሉ ምዝጉብ'ዩ።
ብተወሳኺ፡ ትራምፕ ኣንጻር 'ብላክ ላይቭስ ማተር' (ምንቅስቓስ መሰል ጸለምቲ) ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ።
ድምጺ ላቲኖኸ? ላቲኖ/ኣመሪካውያን ትውልዶም ካብ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ (መክሲኮ/ጕታሜላ/ኤክዋዶር/ሆንዱራስ ... ወዘተ) ዀይኑ ኣብ ፖለቲካ ሕ.መ.ኣ. ተራ ዘሎዎም ክነሱ ብትራምፕ ብቐጻሊ ዝኽሰሱን ዝቋናጸቡን ዜጋታት'ዮም።
ብተወሳኺ ኣሜሪካውያን ኣስላም፡ ኣይሁዳውያን፡ ኣፍሪቃውያን ብትራምፕ ሕጕሳት ኣይኰኑን።
እንድሕሪ ደሞክራትስ ስዒሮም'ከ ...
ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ትራምፕ ብብዙሓት ጕዳት ተወንጂሉ'ዩ - ናይ ሩስያ ኢድ ምትእትታው፡ ንጀይምስ ኮሚ ካብ ስራሕ ምብራር (ሓላፊ ሲ.ኣይ.አይ)፡ ብትዊተር ዓጀውጀው ምባል፡ ብክቱር ንኣስላም ምምካት፡ ኣብ ሓቂ ተመርኵስካ ዘይምዝራብ ...ወዘተ።
ክሳብ ሕጂ ደሞክራትስ ብግሁድ ንፕረሲደንት ትራምፕ ንክግዝትዎ ከም ዛዕባ ኣየውረድዎን።
ግናኸ እዚ ጕዳይ'ዚ ኣብ ኣጀንዳኦም ከም ዘሎ ብዙሓት ፈላጣት ተንተንቲ ይዛረብሉ እዮም። ንትራምፕ ክግዝትዎ እንተድኣ በቒዖም፡ እቲ ባይቶ ወከልቲ ብድምጺ ብልጫ ከቕርቦ ዘሎዎ ጕድይ'ዩ። ብድሕሪኡኸ?
ፕረሲደንት ትራምፕ ከም ክሱስ ኣብ ቅድሚ ቤት ምኽሪ ሰኔት ይቐርብ።
ኣብ ሰኔት ብ2/3 ድምጺ ገበነኛ ዀይኑ እንተድኣ ተረኺቡ ካብ ስርሑ ይእለ ማለት'ዩ። ምኽትሉ፡ ማይክ ፐንስ፡ ድማ ኣብ ስልጣን ይመጽእ።