ኣይተ ለማ መገርሳ 'ብስም ኦነግ ዝተዓጠቐ ሓይሊ' ፀገም ይፈጥር ከምዘሎ ገሊፁ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ለማ መገርሳ፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዘሎ ፀገም ፀጥታ ኣመልኪቱ ንኦቢኤን ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ "ብስም ኦነግ" ዝንቀሳቐስ ዘሎ ዕጡቕ ጉጅለ ካብዚ ተግባሩ ክዕቀብ ፀዊዑ።
ኣይተ ለማ፡ መንግስቲ ድሕሪ ሕዚ ውሕስነት ህዝቢን ሕገ-መንግስትን ናብ ሓደጋ ንዘሳጥሑ ኣካላት ከምዘይዕገስ እውን ገሊፁ።
ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኦሮሚያ፡ ከባቢ ቄለም ወለጋ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ኦነግን ኣካላት ፀጥታ መንግስትን ጎንፂ ከም ዝነበረ ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ይገልፁ።
ኣይተ ለማ መገርሳ፡ ኣብቲ ሎሚ ዝሃቦ መግለፂ 'ብስም ኦነግ ዝተዓጠቐ' ሓይሊ ፀገም ይፈጥር ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
እንተኾነ ግን፡ መንነት ናይዚ ዕጡቕ ሓይሊ ኣይገለጸን።
እቲ ርእሰ ምምሕዳር ወሲኹ እንትዛረብ፡ መንግስቲ ክሳብ ሕዚ ተዓጊሱ ከም ዝፀንሐን፡ ድሕሪ ሕዚ ግን ሕገ-መንግስቲ ንምኽባር ከም ዝሰርሕን ገሊፁ።
ቢቢሲ ዘዛረቦም ነባሪ ዞባ ምዕራብ ኦሮሚያ፡ ክሳብ ሰኑይ ንጉሆ ድምፂ ተኹሲ ከም ዝነበረ ይገልፁ።
"እቲ ተኹሲ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ኦነግን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ከም ዝተኻየደ ኢና ሰሚዕና'' ድማ ይብሉ።
ኣማሓዳሪ ቄለም ወለጋ ኣይተ ታመነ ኃይሉ ግን፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ መንጎ ዕጡቃት ኦነግን ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ዝተኻየደ ልውውጥ ተኹሲ ኣይነበረን ይብሉ።
''ኣብ ቀረባ እዋናት፡ ኦነግ ዕጥቂ ክፈትሕ የብሉን ዝብሉ ሰለማዊ ሰልፍታት ተኻይዶም እዮም። እዞም ሰልፍታት ድማ ብሰላም እዮም ተዛዚሞም። ካብዚ ወፃኢ ዝኾነ ዓይነት ጎንፂ የለን። እቲ ኣብ ፌስቡክ ዝውጋዕ ዘሎ ወረ እዩ'' ክብሉ እቶም ኣመሓዳሪ ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







