እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ኣብ ኣላማጣ ዘጋጠመ ኣድማ ምጽራይ ይግበረሉ ኣሎ
መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ንምኽንያት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ከተማ አላማጣ ኣብ መንጎ 'ሕቶ መንነት ኣለና' ዝብሉ መንእሰያትን ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስን ዝተላዕለ ጎንጽን መንነት እቶም ኣብቲ ዕግርግር ዝተሳተፉን ኣብ ምፅራይ ይርከብ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ቆቦ፡ "ኣሕዋትና ኣብ ኣለማጣ ብመንነቶም ይእሰሩ ኣለዉ" ብዝብል ምኽንያት ናይ ምልዕዓል ምልክት ይካየድ ኣሎ ንዝብል ሓበሬታ ሪፖርተር ቢቢሲ ትግርኛ ንከንቲባ ኣላማጣ ተወኪሱዎም።
ከንቲባ ኣላማጣ ሃብቶም ወሬታ፡ "ብምኽንያት መንነቱ ጥራሕ ዝተኣሰረ ሰብ የለን" ብምባል፡ ኣብታ ከተማ ንነዊሕ ዓመታት ዝነብሩ ብምኽንያት እቲ ጎንጺ ዝተኣስሩ ደቂ ካልእ ብሄርን ብሄረሰብን ከምዘለው ግን ሓቢሮም። "ኣብቲ ብሰንበት ዘጋጠመ ኣድማ ካብ ቆቦ መፂኦም ዝተሳተፉ ሰባት ሒዝና ኣለና። ብሕጊ ከኣ ክዳነዩ እዮም" እንትብሉ ተዛሪቦም።
ነቲ ዓመፅን ዕግርግርን ካብ ዝመርሑ ውሱናት ናብ ቆቦ ሃዲሞም ከምዘምለጡን ኣብቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝተጠቐምሉ ኣፅዋርን መረዳድኢ ኮድ እውን ከምዝተትሓዘ'ውን እቶም ከንቲባ ገሊጾም።
ሎሚ መዓልቲ፡ ከተማ ኣለማጣ ኣብ ምርግእ እኳ እንተላ ገና ንቡር ሰላማ ከምዘይተመለሰ ግን ኣባላት ማሕበረሰብን ምምሕዳርን እታ ከተማን ሓቢሮም። "ሕዚ እውን ራዕዲ ንምፍጣር ዝህንደድ ውዳበን ሓይልን ኣሎ" ድማ ይብሉ። ህዝቢ ናብ ስራሑ ክምለስ ጀሚሩ እኳ እንተሎ ገና ካብ ሻቕሎት ከምዘይተናገፉ ይገልፁ።"ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ወላ እኳ ስርሖም እንተጀመሩ እቲ ኩነታት ናብቲ ዝነበሮ ተመሊሱ እዩ ኣብ ንብለሉ ብርኪ ምምሕያሽ ኣይበፃሕናን" ኢሎም::
ብተወሳኺ ንግብረተ ኽፋእ ክውዕል ዝተዋፈረ ሸውዓተ ሚልዮን ቅርሺ ተታሒዙ ዝብል ወረ ብዝምልከት ፡ "ገንዘብ ካብ ሓደ ውልቀ ሰብ ናብ ካልእ ውልቀ ሰብ እንትቀባበል ተታሒዙ ፡ ዝተኣሰረን ዝጥየቕን ኣካል'ሎ። ኮይኑ ግን እቲ ገንዝብ ካበይ እዩ መፂኡ? መን እዩ ልኢኹዎ? በዝሑ ኸ ክንደይ እዩ? ዝብል ገና ኣይተፃረየን" ኢሎም ፡ ከንቲባ ሃብቶም።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፀጥታን ምምሕዳርን ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃይለ ምስጉን፡ ብወገኖም፡ ምስቲ ኩነታት ምትእስሳር ኣለዎም ዝተበሃሉ ሰባት ኣፃሪኻ ንምሓዝን ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድን ምንቅስቓስ ይካየድ ምህላዉ ገሊፆም።'ኣብቲ ዕግርግር ዘይተሳተፈ ክውቃዕ እዩ' ዝብል ራዕዲ ብምንዛሕ ነቲ ኣብቲ ከተማ ፅርግያ ከቲርካ ብምዕፃውን ናብ ገዛውቲ ብደናጉል ምውቃዕን እዩ ተጀሚሩ ብምባል ይዝክሩ። ሓይልታት ፀጥታ ነቲ ኩነታት ከህድኡ ክሳብ መወዳእታ ኣብ ዝፅዕርሉ እዋን ኣብ ዝተፈጠረ ጎንፂ ድማ ህይወት ሰለስተ ሰባት ከምዝጠፈአን በዚ ድማ መሪር ሓዘን ከምዝተሰመዖምን እቶም ሓለፍቲ ገሊፆም።
ሕቶ ልምዓት
ቅድም ክብል ሕቶ መንነት ራያ አለና ዝብሉ፡ ኣብ ኣዲስ አባበ ሰልፊ ምውፀኦም ቴሌቪዢን ኢትዮጵያ ምፅብፃቡ ዝዝከር እዩ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ድማ፡ ነቲ ህዝቢ ኣይውክሉን፡ ካሊእ ፖለቲካዊ ተልእኾ ዘለዎም እዮም ዝብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተፈጠረ ዕግርግር ቅድም ክብል፡ ሕቶ ልምዓትን ምሕደራን ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ዘተ ክካየድ ቀንዩ ነይሩ። ከንቲባ ሃፍቶም ኣብቲ መድረኽ፡ እግረ መንገዶም ካልኦት መደባት ውን ተታሒዞም ፤ ነቲ ማሕበረሰብ ክውክሉ ዝኽእሉ ፡ ኣካላት ኣብ ዝተሳተፍሉ፡ ናይ ህዝቢ ሕቶታት ተላዒሎም ከምዝተዘተየሎም ገሊፆም።
ይኹን'ምበር ይብሉ "ኣብ ዝሓለፈ ግዘ ኣብ ዝተኻየዱ መድረኻት፡ 'ናይ መንነት ሕቶ አለና' ኢሉ ዝተልዓለ ሕቶ ኣይነበረን" ኢሎም።
ህዝቢ አላማጣን ከባቢኡን ገምጊሙዎ ዝወፀ ፡ 'ንሕና ናይ መንነት ሕቶ ኣይኮነን ዘለና፡ ናይ ምምሕዳርን ናይ ልምዓትን ዘይተመለሱ ሕቶታት እዮም ዘለዉና ፡ እዚ ሕቶ [መንነት] ካበይ ይመፅእ ከምዘሎ ክርደአና ኣይከኣልን፡ ትኽከል ኣይኮነን " ዝብል መልሲ ተዋሂቡ ይብሉ።
እቶም እዚ ሕቶ መንነት ዘቕርቡ ዘለዉ ግና፡ "ኣብቲ አኼባ ዝቐርቡ ዘለዉ ወከልቲና ኣይኮኑነ፡ እቲ ሕቶ ብትኽክል ኣይኮነን ዝግምገም ዘሎ" ብዝብል ናብዚ ጉልበትን ሓይልን ከምርሕ ከምዝኸኣለ ድማ ይዝረብ። ብስልኪ ትዕዝብቱ ንቢቢሲ ዘካፈለ ወሃቢ ርኢይቶ መንእሰይ፡ 'ሕቶና መንነት ራያ ይከበር' ዝብል ሕቶ ኣሎ ኢሉ።
"ልክዕ ከም ብሄረሰብ ኢሮብን ኣገውን ነበይንና ክንመሓደር ኢና ንሓትት ዘለና። ብናይ ባዕልና ላዛን መራሕትን ክንመሓደር ኢና ንብል ዘለና" ዝብል ኣሎ ይብል። ነዚ ሕቶ ማንነት ሒዙ ዝተልዓለ ኮሚቴ'ውን ብማዕዶ ተጣይሹ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ይዝረብ። ኣቶ ኣግዜ ህዳሩ ናይቲ ኮሚቴ መተሓባበሪ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተን ኣርባዕተን ኣዋርሕ ሕቶ መንነት ብሰላማዊ መገዲ ንምቕራብ ከምዝተንቀሳቐሱ ይዛረቡ። መንእሰይ ሞገስ ሺፈራው ነባሪ ኣላማጣ እንትኸውን፡ ኣብቶም ዝተኻየዱ መድረኻት ዘተ ካብ መንጎ ዝተሳተፉ ሓደ እዩ።
ሞገስ ከምዝብሎ፡ ናይቶም ዝተኻየዱ መድረኻት መንፈስ ፡ ናይ ምሕደራን ልምዓትን ፀገማት 'ምበር ናይ መንነት ሕቶ ኣይነበረን። "ኣነ ከም ባዕለይ መንነተይ ፈሊጠ ዝሓደርኩ ሰብ እየ። መንነተይ ራያታይ ኮይነ ትግራዋይ እየ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"እቲ ህዝቢ ናይ ምሕደራ ፀገም ከምዘለዎ ግን ኣንዳዕዲዑ ተዛሪቡ እዩ። ናይ 'ግሊ ኪሶም' [ጅቦኦም] ክመልኡ ዝደለዩ እዮም ከምዚ ዓይነት ሕቶ ለልዕሉ'ለዉ" ይብል።
ካሊእ ስማ ክግለፅ ዘይደለየት ጓል ኣንስተይቲ ነባሪት ከተማ ኮረም ድማ፡ ብተመሳሳሊ፡ "ናይ መንነት ዝበሃል ሕቶ የለን። እንተደሊኹም ዓበይቲ ወለዲ'ውን ሕተቱ "ኢላ።
"ተጋሩ ኢና ግን ካሊእ ሰብ ዝረኸቦ ልምዓት ክንረክብ ኣለና። እቶም ዕግርግር ዘልዕሉ ዘለዉ ካብ ካሊእ ከባቢ ብገንዘብ ዝተገዝኡ ምዃኖም'ዩ ዝዝረብ" ድማ ኢላ።
ቋንቋ ብዝምልከት ድማ፡ "ኣነ ሀዚ ኣምሓርኛ እየ ብደንቢ ዝናገር። ኣምሓርኛ ምኽኣል ግን መንነት ኣይኮነን" ትብል፡ ቅድሚ ሐዚ ናብ ወሎ ተጠቓሊሎም ዝፀንሑ ገለ ቀበሌታት አምሓርኛ ከምዝሰልጦም ብምግላፅ።
መብዛሕተኦም ነበርቲ ከተማ ኮረም፡ ካብ ገጠር ኦፍላ ዝመፁ ምዃኖም፤ ድማ ትዛረብ እታ መንእሰይ። ኦፍላ ወረዳ ካብተን ሕቶ ዝቐርበለን ዘለዎ ሓንቲ እያ።
ንኣብነት ቀበሌ 03 ወሲዳ፡" መብዛሕተኦም ካብ ኦፍላ ዝመፁ ተጋሩ እዮም። ዕዳገኦም ፤ መጥሓኖም ብትግርኛ እዩ። ቤት ትምህርቲ ውን ብትግርኛ እዩ። ብሱሩ ብፍላይ ገጠሩ ከምዚ ዝበለ ሕቶ'ውን የብሉይ። እኳደኣስ 'ኣቱም ኣምሓርኛ ትዛረቡ ከይንበኣስ' ልብሉ ፉከራታት'ውን እኒአዉ" ኢላ።
ከንቲባ ሃብቶም፡"ኣብ ህዝቢ ኣለማጣ ዘለዉ ፀገማት ኣነፂርካ ፍታሕ ንምርካብ ምስ ህዝቢ ነካይዶ ዘለና ዘተ ገና ኣይተዛዘመን"ይብሉ ፡ ካብ መፃኢ ሰንበት ጀሚሩ ከምዝቕፅል ብምሕባር።
"ሕዚ እውን ምስ ህዝቢ ክንዛተ ኢና። ሓሳብ ህዝቢ ክንሰምዕ ኢና።ሕዚ እውን 'ሕቶ መንነት ኣለና' ዝብል እንተሃልዩ በቲ ሕገ መንግስቲ ዝፈቕዶ ክኽየድ እዩ። ካብዚ ወፃኢ 'ብራዕዲ ኣቢልና ሕገ መንግስቲ ክንግምጥል ኣለና' ኢሉ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ እንተሃልዩ ግን ሕጋዊ ስጉምቲ ክምዝውሰዶ ክግንዘብ ኣለዎ" ይብሉ ከንቲባ ሃብቶም።
እቲ ኣድማ ናይ መን እዩ?
ነቲ ዕግርግር ዘለዓዕሉ መናእሰይ ገለ ደቂ እቲ ከተማን ካብ ካሊእ ከባቢ ዝመጽኡን ከምዝኾኑን ዘዘራረብናዮምሓለፍቲ ይዛረቡ።
"ካብ ኣላማጣ፡ ቀፂሉ ዝመፅእ ወጃ እዩ፤ ቀፂሉ ዝመፅእ ድማ ቆቦ ፥መስመር እዩ፥ እቲ ዝበዝሕ ካብ ቆቦ ዝኣተወ መንእሰይ እዩ። እቲ መንእሰይ ካበይ እዩ ተበጊሱ ኣብ ምፅራይ ኢና ዘለና። ዘይሩ ዘይሩ መንገዲ ሒዙዎ ዝመፀ ግን ብዋጃ ጥሒሱ ብናይ ቆቦ መስመር እዩ። ቅድም ኢሉ ኣትዩ ዝሓደረ ውን ኣሎ።" ኢሎም ከንቲቡ ሃብቶም።
ገበን ብምፍፃም ተጠርጢሮም ኣብቲ ዕግርግር ዝተትሓዙ ነበርቲ ዘይኮኑ አካላት 'ውን ከምዘለዉ ይዛረቡ።
"ካብቲ ከተማ ዝተሓወሱ'ውን ኣለዉ። ናብቲ ከተማ መፂኦም ዘይፈልጡ እውን ኣለዉ። እዚኦም ክተሓዙ ክኢሎም ኣለዉ፤ ኣብ ምፅራይ ኢና ዘለና።"
ናበይ ይኸይድ'ሎ ?
ቅድሚ 25 ዓመታት ዝተኣታተወ፡ ስርዓት ፌደራሊዝም ህዝብታት ብብሄራዊ መንነቶም ኮሪዖም ናብ ሃገራዊ ፅላል ሓድነት ንኽመፅኡ ዝኣመተ ዕላማ ነይሩዎ።:ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ቀረባ ዓመታት ንደሓር ዝረአ ዘሎ ምልክታት ግን ነቲ ስርዓት ዝፍትን ኮይኑ ኣሎ።በዚን ክንድዚን ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘይመረበትኩም ተረኺብኩም ብዝብል ተቐቲሎም፡ ካብቲ ንዓመታት ዘጠሽሉ ስፍራ ተመዛቢሎምን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ገሃን መሃን ኮይኖምን እዮም።ሓደ ኣብነት ንምጥቃስ: ካብ 2008 ዓ.ም ኣትሒዙ ካብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ልዕሊ 46 ሽሕ ህዝቢ ተፈናቒሉ ኣብ እንግዳዕ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወዲቑ'ሎ። ኣብ ካልኦት ከባብታት እታ ሃገር ድማ ናብ ሓደ ሚልዮን ዝቑፀር ህዝቢ ተፈናቒሉ ይበሃል።
ሎሚ ድማ መሬት ወልቃይትን ራያን ብመልክዕ መንነት ሕቶ ክለዓሎ ጀሚሩ። መንግስታት ክልላት አምሓራን ትግራይን ምትፍናን ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብ ክልል አምሓራ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት መንነት እናተልዓሉ እዮም።
ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ: ኣብ መንጎ ክልላት ንዘጋጥም ሕቶ ወሰን መሬትን ሕቶ መንነትን ኣፃርዩ ዝምልስ ባይቶ ፈደሬሽን እዩ።ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ፈደሬሽን ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም: ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ "ጉዳይ ወልቃይትን ራያን እቲ ህዝቢ ኣብ መረበቱ እንተሎ ኣብ ክንድኡ ሕቶ መንነት ኣልዒሎም ዝጠርዕሉ ዘለዉ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘለዉ ሰባት እዮም" ኢለን።
ናይ እማን ሕቶታት እንተሎ ኾይኑ፡ እቲ ሕገ መንግስት መሰረት ገይሩ ሰለማዊ ብዝኾነ መገዲን ከምዘይቀረቡ ተዛሪበን። ምምሕዳር ከተማ ኣለማጣ ከምዝብሎ ዘሎ ድማ፡ ኣብ ቆቦ ኮይንካ ምሕታት ጥራሕ እንተይኮነ ብኣካል እውን ናብ ኣለማጣ ብምምፃእ ንመንኣሰይ ከምዘአደሙ ብሰንኪ 'ዚ ድማ ህይወት ጠፊኡ።