ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ኣትሌት ኣበዶም፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምግዓዙ ሓዚኑ

ፍሉይ ክእለት ንዘለዎ ሓታቲ ዑቕባ ብዘይ መጠንቀቕታ ናብ ካልእ ከተማ ናይ ምግዓዝ ውሳነ ኣዝዩ "ዘጒሂ" ምዃኑ ተገሊጹ።
ወዲ 17 ዓመት ኤርትራዊ ኣበዶም በየነ፡ ንምድረበዳ ሰሃራ አቋሪጹ'ዩ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዩ።
ኣብ ውልቃዊ ጉዳያት ርእይቶ ከም ዘይህብ ዝገለጸ ኣበዶም፡ ቤትምኽሪ ምምሕዳር ኬምብሪጅ፡ ንኣበዶም ናብ ኖርዝሃምፕተን ክሰድድ ከሎ፡ ጸኒሑ ግና ናብ ሌስተር ኣግዒዝዎ።
እዚ ነቲ ኣበዶም ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ፡ ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ ክጣየስ ንዝገብሮ ጻዕሪ፡ ዘዳኽም ምዃኑ፡ ሓደ ኣባል ቤት ምኽሪ ተዛሪቡ።
"ኣገዳሲ እንተ ዘይኮይኑ" ንትሕቲ ዕድመ ዘየንቀሳቕስ እቲ ቤት ምኽሪ፡ ኣበዶም ኣብታ ሃገር ምስ ኣተወ ብፖሊስ ካብ ዝተታሕዘሉ ግዜ ጀሚሩ ንጉዳዩ ክኸታተል ጸኒሑ ኣሎ።
ንሱ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ጉዕዞ፡ ኣብ ጥቅምቲ ዝሓለፈ ዓመት ኢዩ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዩ።

ሽዑ፡ ናብ ኖርዝሃምፕተን ክምደብ ከሎ፤ እንደገና ናብ ሌይስተር ክሳብ ዘግዕዝዎ ክሳብ ነሓሰ ኣብኡ ጸኒሑ።
ኣብ 2016 ካብ ኤርትራ ክወጽእ ከሎ ወዲ 14 ዓመት ዝነበረ ኣበዶም፡ በዛዕባ እዚ ብዘይ ዝኾነ መግለጺ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ዘግዓዝዎ፡ ሕጉስ ዘይምዃኑ ይዛረብ።
ዳኒኤለ ሰቶን፡ ሓላፈ ተቃዋሚ ሰልፊ ኣብ ቤት ምኽሪ ኖርዝሃምፕተን ቦሮው ኮይኑ፡ ሓደ ካብ ደገፍቲ ኣበዶም ኢዩ።
"ኣብ ጸጽባሕ እንድሕሪ ዝፈናቐል ኮይኑ ከመይ ገይሩ እዩ ክረጋጋእን ተቐባልነት ክረክብን?" ክብል ድማ ይሓትት።
"ነቲ ናይ ክልተ ዓመት መገድን ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ተጻዋርነቱ ፍሉይ ኢዩ። እንተኾነ ግና ኣብ ክንዲ ዝፍቀርን ዝሕብሓብን፡ እንታይ ከም ዝደሊ'ውን ከይተሓተተ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከም ዝንቀሳቐስ ይግበር ኣሎ" ክብል ዳንኤል ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ ኖርዝሃምፕተን ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣበዶም፡ ከም ኣትሌት ብሩህ ተስፋ ከም ዘለዎ፤ ኣብ ሓንቲ ናይ ጐያ ክለብ ብምጽንባር ብቕዓቱ ኣንጸባሪቑ'ዩ።
ኣበዶም፡ ኣካል እቲ ሕብረተሰብ ከም ዝኾነ ኣሰልጣኒኡ ፒተር ኩሪንግተን ይገልጽ።
"ኣበዶም ንኣና ከም ስድርኡ እዩ ዝርእየና። ካባና ብዙሕ ዝደልዮ ነገር የለን" ይብል።

እቲ ናይ ዓዲ እንግሊዝ መገዱ "ብዙሕ ሓደጋታትን ከቢድ ኩነታትን" ከም ዝነበሮ ኣበዶም ተዛሪቡ።
"ንእሽተይ እየ ነይረ፤ ዝብላዕ ይስእን ነይረ፤ ሰባት ኣብ ቅድመይ ክሞቱ ርእየ ኣለኹ [ኣብ ምድረ በዳ ሰሃራ]"
ሊብያ ብማፍያታት ዝመልአት ምዃና ዝገለጸ ኣበዶም፤ "ክብሪ ሰብ ኮነ ሕጊ ዝበሃል የለን" ኢሉ።
ኣበዶም ንማእከላይ ባሕሪ 36 ሰዓታት ብዝወሰደ "ሓደገኛ" ጉዕዞ፡ ኣብ ሓንቲ ጃልባ ምስ 640 ሰባት ብምዃን ክሰግር ከም ዝፈተነ ድሕሪ ምግላጽ፤ "እታ ጃልባ ኣብ ፍርቂ ተሰቢራ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, ARIS MESSINIS
ኩሎም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣትዉ ትሕቲ ዕድመ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ዘድልዮም ነገራት ብምምሕዳራት ኢዩ ዝማልኣሎም።
ኣብ 2017፡ 1100 ኤርትራውያን ዝርከብዎም፡ ልዕሊ 34000 ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም።
ካብዚኦም እቶም 2400 ኣላዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ክኾኑ ከለዉ፡ እቶም 355 ኤርትራውያን ኢዮም።
ነቶም ዝናበዩ ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ ሕጽረት ናይ ቀረብ ከም ዝነበረ፡ ወሃቢት ቃል ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ኬምብሪጅ ሻይር ሓቢራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







