እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ፡ ፈላመይቲ ሚንስትር ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ መን እየን?
ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ፡ ብቐዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ዝተሾሙ ሓደሽቲ ኣባላት ካቢነ እየን።
ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ድማ፡ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ሚንስትር ምክልኻል ኮይነን።
ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርኦ ቃለ-መሕትት፡ "ንኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ክብሪ እዩ። ንዓይን ንዝተወለድኩሉን ከባቢ እውን ክብሪ እዩ" ክብላ ይዛረባ።
ሉኣላውነት ሃገር ዝሕሉ ገዚፍ ሓይሊ ካብ ምምራሕ ዝዓበየ ክብሪ ከምዘየለ'ውን ገሊፀን።
ብፍላይ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር፡ ደቂ ኣንስትዮ ተሸይመናሉ ዘይፈልጣ መዝነት ብምዃኑ ከም ዘይተፀበይኦ ይገልጻ።
ኢንጂነር ኣይሻ መን'የን?
ናብ ሚንስትርነት ኮነስትራክሽን ቅድሚ ምምፅአን ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር፡ ንቢሮ ምክልኻል ሓደጋ ብሓላፍነት መሪሐን። ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ክህነፅ ከሎ'ውን 'ሳይት ማኔጀር' ኮይነን ሰሪሐን።
ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝተፈላለዩ መዝነት ኣገልጊለን።
ብ2008 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ምደባ ሓላፍነት መንግስቲ ሚንስትር ባህልን ቱሪዝምን ኮይነን እንትሰርሓ፡ ብ2009 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ከኣ፡ ሚንስትር ኮንስትራክሸን ኮይነን።
ኣብቲ ሚኒስቴር ንክልተ ዓመት ዘገልገላሉ እዋን፡ ገዚፍ ኢንዳስትሪ ስለ ዝኾነን ዝዓበየ በጀት ስለ ዝሕዝን እቲ ሓላፍነት ቀሊል ከም ዘይነበረ ይዛረባ።
"ኢትዮጵያ ገና ትህነፅ ዘላ ሃገር እያ። ኣድለይቲ ዝተበሃሉ ነገራት ኣብ ምጥንኻርን ምትዕርራይን ክሰርሕ ፀኒሐ" ኢለን።
ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዓፋር ኣብ ትርከብ ንኢሽተይ መንደር ተወሊደን ዝዓበያ ኢንጂነር ኣይሻ፡ ወላዲአን ኣብ ወደብ ይሰርሑ ነይሮም።
ወላዲ ኣቡአን ቦታ ስራሕ ቀይሮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝመፅሉ እዋን ሽዑ ቆልዓ ዝነበራ እንጂነር ካልኣይ ደረጃ ትምህርተን ኣብኡ ወዲአን።
ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣትየን ድማ ብሲቪል ምህንድስና ተመሪቐን።
"ካብ ካልኣይ ብርኪ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ስለ ዝተምሃርኩሉን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ስለ ዝሰራሕኩላን ጓል ኣዲስ ኣበባ ምባል ይከኣል'ዩ" ይብላ ሰሓቕ ብዝተሓወሶ ዘረባ።
"ዓፋር እውን ስለ ዝኾንኩ ነቲ ህዝቢ ንምግልጋል ብዝተወሃበኒ ዕድል ናብቲ ክልል ተመሊሰ ከይደ" ይብላ ኢንጂነር ኣይሻ።
ካብ ግዜ ቁልዕነተን ጀሚሩ መሃንዲስ ናይ ምዃን ሕልሚ ከም ዝነበረንን ከዕውተኦ ከም ዝኸኣላን ይሕብራ። ብሞይአን'ውን ንነዊሕ እዋን ኣገልጊለን።
ፖለቲካ
ንብዙሓት ካብ ምህንድስና ናብ ፖለቲካ ንምእታው ቁሩብ ክኸብድ ይኽእል'ዩ። ኢንጂነር ኣይሻ ግን ናብቲ ክልል ምስ ከዳ ኣባል ብሄራዊ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ዓፋር ኮይነን።
ኣብቲ ክልል ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዯ ዝተሓተ ምንባሩን ፃዕቂ ስራሕ ኣብአን ምሕያሉን የሕስበን ነይሩ።
በዚ ምኽንያት ብዝተወደበ መገዲ ንምቅላስ ግዜ ወሲዱለን። ናብ ኣባልነት ማእከላዊ ኮሚቴ እቲ ሰልፊ ድማ ተፀምቢረን።
"ከገልግል ከም ዝግበኣኒ'ዩ ይርደኣኒ ዝነበረ። ምኽንያቱ 'ህዝቢ ክህሉ ከሎ ኢና ንሕና ንህሉ' ዝብል እምነት ኣለኒ። ህዝቢ ድማ ንኽህሉ ዘድልዮ ነገራት ክረክብ ኣለዎ" ይብላ።
"ብፍላይ ደቀኣንስትዮ ተደራራቢ ወፅዓታትና ክንኣሊ ኣለና ኢለ ይኣምን። ነዚ ክገብር ዝኽእል እቲ ፅልዋ ክፈጥር ዝኽእል ስለዝኾነ ናብቲ ፖለቲካዊ ሰልፊ ተፀምቢረ" ክብላ የረድኣ።
"ከም እንኽእል ክነመስክር ይግበኣና"
ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ሹመት ኣባላት ካቢነ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዝነበረ ኣካይዳ ተቐይሩ፡ 50 ሚታዊት መዝነት ንደቂ ኣንስትዮ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ነቶም ቁልፊ ወይ ድማ ወሰንቲ ዝበሃሉ ቦታታት ፀጥታን ድሕነትን ረኺበን ኣለዋ።
ኢንጂነር ኣይሻ ነዚ ኣመልኪተን ክዛረባ ከለዋ፡ ኣብ ኢትዯጵያ ዘሎ ባህሊ ንደቂ ኣንስትዮ ዘታሕት ከም ዝኾነ ይዛረባ። እቶም ዝዛረቡ ልምዳዊ ዘረባታትን ዛንታታትን ናብ ኣእምሮ ህፃናት ደቀኣንስትዮ ሰሪፆም 'ኣይንኽእልን' ብዝብል ስነ-ልቦና ከም ዝዓብያ ሓቢረን።
"ንሕና'ውን 'ኣይንኽእልን' ዝብል ስነ-ልቦናዊ እምነት ስለዘለና፡ ንሳቶም'ውን 'ኣይኽእላን' ዝብል ስለዝሓዙ ይመስለኒ ወሰንቲ ኣብ ዝበሃሉ ቦታታት ዘይሾሙና" ክብላ ይዛረባ።
"እቲ ዝዓበናሉ 'ኣይክእላን' ዝብል እምነት፡ ወይ ድማ ናትና 'ኣይንኽእልን' ዝብል ባህሊ ናይ ዘይምግዳፍ ፀገማት ኣለ። እቲ ፀገም ኣብኡ እዩ ዘሎ" ኢለን።
መንግስቲ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ከተባብዕ 'አፈርማቲቭ ኣክሽን' ብዝብል ትልሚ ሓንፂፁ፡ ኣብ ፖለቲካ፣ ትምህርትን ቁጠባን ይሰርሕ'ኳ እንተሃለወ፡ ኣብ ውፅኢታውነቱ ግን ሕቶ ይለዓል'ዩ። መብዛሕቲኦም እቶም መደባት ከም ዘይተዓወቱ'ውን ይሕብራ።
እቲ ናይ ሕዚ ዝፍለየሉ ምኽንያት ብሚንስትርነት ናብ መዝነት ክመፃ ምኽኣለን ኮይኑ "ከም እንኽእል ክነመስክር ይግበኣና ዝብል እምነት ኣለኒ" ክብላ'ውን ንቢቢሲ ተዛሪበን።
"ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሑ ፀገማት ብናትና ናብ ስልጣን ምምፃእ ጥራይ ዝፍትሑ ከም ዘይኮነ'የ ዝኣምን። 'ኣይኽእላን' ንዝብል ኣተሓሳስባ ከም ዝኣልዮ ግን እምነት ኣለኒ" ይብላ።
ደቂ ኣንስትዮ ብብቕዓት ናይ ምምሕዳር ክእለት ከም ዘለወን እምነተን ገሊፀን።