ሹመት ጀነራል አሳምነው ፅጌን ጀነራል ከማል ገልቹን እንታይ መልእኽቲ የሕልፍ?

ብገበን ዕልዋ መንግስቲ ተከሲሱ ሞት ተፈሪዱዎ ፡ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፈ ብርጋዴር ጀነራል ኣሳምነው ፅጌ፡ ሓላፊ ቢሮ ፀጥታ ክልል ኣምሓራ ኮይኑ ተሸይሙ።

ብተመሳሳሊ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት 150 ወተሃደራት ኢትዮጵያ መሪሖም ናብ ኤርትራ ዝኾብለሉን ናብ ኦነግ ዝተፀምበሩን ብርጋዴር ጀነራል ከማል ገልቹ፡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ፀጥታ ክልል ኦሮምያ ኮይኖም።

ጀነራል ኣሳምነው ኣብ ቀረባ፡ ካብ መንጎ 'ቶም ብምሕረት ዝተፈትሑ እሱራት ሓደ እንትኸውን ቅድሚ ናብዚ ሓላፍነት ምምፅኡ፡ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ዲሞኮራስያዊ ውድብ ኣምሓራ ኮይኑ ምምራፁ ዝዝከር እዩ።

ናይዚ ሹመት ምቅላሕ ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ርእይቶታት እናተውሃቡ ይርከቡ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ሓጋዚ ፕረፌሰር ፤ ኣይተ መኮነን ፍሰሃ፡ ክልላት ዝደለዩዎ ሰብ ናይ ምምራፅ መሰል እንተሃለዎም'ኳ ሕዚ ዘሎ አካይዳ ግን ሓደ ክልል ነቲ ካሊእ ናይ ምሕራቕ መገዲ ይኽተሉ ምህላዎም መርአያ እዩ ይብል።

ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ መንነት ብዝብል ሽፋን ናይ ግዝኣት ናይ ምምላስ ሕቶ ዘለዎም ጉጅለታት ሰፊሕ ናይ ሚድያ ሽፋን ካብ ምሃብ ሓሊፉ፡ ምስ ክልል ትግራይ ዘይሳነዩ ሰባት ናይ ፀጥታ ሓለፍቲ እናገበርካ ምሻም ይረአ ከምዘሎ ኣይተ መኮነን ይሕብር።

እቲ ኣንፈት ናብ ጎንፂ ዘምርሕ ዘሎ ምኳኑ ዘመላኽት እዩ ዝብል እምነት ድማ ኣለዎ። "ብሓፂሩ እቲ ኩነታት እንትረአ፡ ግዝኣት ብሓይሊ ንምምላስ ምድላዋት ዝግበር ዘሎ እዩ ዝመስል" ኢሉ።

"ምስቲ ስርዓት ተፃበኦ ዘለዎ ሰብ ናብ አባልነት ማእኸላይ ኮሚቴን ሓላፍነት እናምፃእኻ ሓደ ነቲ ካሊእ መቕንኢ፤ መኾረዪ እዩ ዝመስል" ይብል።

ከምኡ ድማ ብፍላይ ሓደ ሓዲአን እተን ክልላት፡ ምስ ክልል ትግራይ ንምውጋእ ንደሓር ከምዘይብላን ሓይሊ ፀጥታ ብምጥንኻር ዘይዓቕመን ጉልበት የጥርያ ከምዘለዋን የረድእ።

"እቲ አከያይዳ፡ ሃገራዊ ሓድነት ዝፈጥር ዘይኮነስ፡ ሕድ ሕድ ቂም ዝቋፀረሉ ናብ ውግእ፡ ዘይምቅድዳውን ኢሉ'ውን ናብ ቅርሕንቲ ዘምርሕ ዘሎን እዩ ዝመስለኒ" ክብል ድማ ወሲኹ ሓቢሩ።

ጀነራል ከማል'ከ?

ጀነራል ከማል መጀመርታ፡ ካብ ኢትዮጵያ ምስ ወጽአ ናብ ኦነግ ተጸምቢሩ። ፀኒሑ ግና ካብኡ ተፈንጪሉ ናይ ባዕሉ ውድብ መስሪቱ ይቃለስ ነይሩ።

ኦነግ ኣብ ቀረባ እዋን ብጉዳይ ምፍታሕ ዕጥቂ፡ ምስ መንግስቲ ዘይምርድዳእ ምፍጣሩ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ዩኒቨርስቲ ኪል መምህር ዝኾኑ፡ ዶክተር ኣወል ኣሎ ቃሲም፡ ጀነራል ከማል፡ በዚ ቅልጣፈ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሓላፍነት ምቕማጡ ዝገርም ከምዝኾነ ይዛረቡ።

ካብ ደገ ብድርድር ምስ ዝመጽኡ ተቓወምቲ ውድባት ምስ ዲሞክራስያዊ ውድብ ኦሮሞ ተቓራራቢ ፕሮግራም እንተሃልዪዎም ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ዝርርብ ከምዝነበረ መረዳእታ ኣለኒ ይብሉ።

ስለዚ እቲ ሹመት ኣብ መንጎ ክልቲኦም ውድባት ዝተገበረ ዝርርብን ናይቲ ውልቀ ሰብ ብቕዓትን መሰረት ዝገበረ'ዩ ብምባል፡ እቲ ዝተሾመ ኣካል ኣብ ልዕሊ ኦነግ ዝተፈለየ ፍልጠት ሃልዩዎ ኣይኮነን ድማ ይብሉ።

ኣብ ጆርጂያ ጉን ተመራማሪ ፖለቲካ ዝኾኑ ዶክተር ዮሃንስ ገዳሙ፡ ብወገኖም፡ ሹመት ጀነራል ከማል ገልቹ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ዝወለዶ እዩ ይብሉ።

ንሶም ከም ዝብሉዎ፡ ከምዚ ዓይነት ንተፃራሪኻ ምሿም፡ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ዓለም ዝተለመደ እዩ። "ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘሎ ፀገም ተሓባቢርና ክንፈትሖ ኢና ዝብል መልእኽቲ ኣለዎ" ውን ይብሉ።

ኣብ ኦሮምያ፡ ምንቅስቓስ ሓይልታት ኦነግን ቄሮን ነቲ ክልል ኣብ ዕግርግር ከም ዘእተዎ ዝፍለጥ እዩ።

ብሓፈሻ፡ ጀነራል ከማል ገልቹነ ጀነራል አሳምነው ፅጌን ናብዚ አመራርሓ ምምፃእ፡ ትካላት ፀጥታ ካብ ፖለቲካ ነፃ ብዝኾኑ ሰባት ክምርሑ ኣለዎም ዝብል ናይ መንግስቲ ድሌት ዝፃባእ'ዶ ኣይኮነን ዝብል ሕቶ ዝቐረበሎም ዶክተር ዮሃንስ፡ "ሎሚ'ውን ኣብ ስልጣን ዘሎ ኢህኣዴግ ምኳኑ ኣይንዘንግዕ። ገለ ሓደሽቲ ለውጥታት እንተሃለዉ'ኳ መሰረታዊ ባህሪኡ ይገድፍ ማለት ኣይኮነን" ይብሉ።

ስራሕቲ መንግስትን ገዛኢ ወድብን ክንፈላሊ ኢና ኢሎም ቃል ይእተው 'ምበር፡ ተሾምቲ ሓይልታት ፀጥታ፡ ውድቦም ኣገልገልቲ ምዃኖም ዘይተርፍ ምዃኑ ዘርኢ እዩ'ውን ይብሉ።