ዓዲ እንግሊዝ፡ ሚኒስተሪ ምክልኻል ነብሰ ቕትለት ኣቊማ

ኣብ ዓራት ኮፍ ዝበለ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንነብሰ ቕትለት ዝከላኸል ሚኒስተሪ ቆይሙ።እዚ ብቐዳመይቲ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ተሬሳ መይ ቆይሙ ዘሎ ሚኒስተሪ፡ ኣብቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝካየደ ዘሎ ዓለማዊ ጉባኤ ኣብ ጉዳያት ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ዝግበር ዘሎ ኣኬባ እያ ኣዊጃቶ።

ተሬሳ መይ ንሚኒስተር ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ ዝነበረት ጃኪ ዶይለ ፕሪንስ ናይዚ ሓዲሽ ሚኒስትሪ ምክልኻል ነብሰ ቕትለት ገይራ መዚዛታ ኣላ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዋላ ድኣ እቲ ቁጽሪ ክብን ለጠቕን ዝብል እንተኾነ፡ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ዓመት ኣስታት 4500 ሰባት ነብሰ ቕትልት ይፍጽሙ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ጉዳያት ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ዝዝቲ ኣኬባ፡ ልዕሊ ሓምሳ ሃገራት ብወከልተን ኣቢለን ይሳተፋ ኣለዋ።

ተሬሳ መይ " ነዚ ንብዙሓት ናብ ነብሰ ቕትልት ዘምረሖም ዘሎ በሰላ ብመንገዲ እዚ ሚኒስተሪ ኣቢልና መግትኢ ክንገብረሉ ኢና" ኢላ።

ጃኪ ዶይል ፕሪንስ

ምንጪ ስእሊ, Department of Health

መግለጺ ስእሊ, ሓዳሽ ሚኒስተር ሚኒስተሪ ምክልኻል ነብሰ ቕትለት ጃኪ ዶይል ፕሪንስ

ጎኒ ጎኒ እዚ ነቶም ብወለንቶም ንነብሰ ቅትለት ኣብ ምክልኻል ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ገበርቲ ሰናይ፡ ንዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት ናይ 1.8 ሚልዮን ፓውንድ ሓገዝ ክግበረሎም ምኳኑ ሓቢራ ኣላ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማንቸስተር፡ ክኢላን ተመራማርን ነብሰ ቕትለት ዝኾነ ፕሮፌሰር ልዊስ ኣፕለቢ፡ ነዚ ምምስራት ሚኒስተሪ " ኣገዳሲ" ኢልዎ ኣሎ።

ፕሮፌሰር ልዊስ ኣፕለቢ፡ መቓም እዚ ሚኒስተሪ ብዛዕባ ነብሰ ቕትለት ብኹፈት ንኽዝረብን፡ ስቕታ ብዙሓት ክስበርን ዘኽእል ብምኳኑ ኣገዳሲ ይገብሮ ኢሉ ኣሎ።