ዓዲ እንግሊዝ፡ ሚኒስተሪ ምክልኻል ነብሰ ቕትለት ኣቊማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንነብሰ ቕትለት ዝከላኸል ሚኒስተሪ ቆይሙ።እዚ ብቐዳመይቲ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ተሬሳ መይ ቆይሙ ዘሎ ሚኒስተሪ፡ ኣብቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝካየደ ዘሎ ዓለማዊ ጉባኤ ኣብ ጉዳያት ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ዝግበር ዘሎ ኣኬባ እያ ኣዊጃቶ።
ተሬሳ መይ ንሚኒስተር ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ ዝነበረት ጃኪ ዶይለ ፕሪንስ ናይዚ ሓዲሽ ሚኒስትሪ ምክልኻል ነብሰ ቕትለት ገይራ መዚዛታ ኣላ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዋላ ድኣ እቲ ቁጽሪ ክብን ለጠቕን ዝብል እንተኾነ፡ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ዓመት ኣስታት 4500 ሰባት ነብሰ ቕትልት ይፍጽሙ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ጉዳያት ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ዝዝቲ ኣኬባ፡ ልዕሊ ሓምሳ ሃገራት ብወከልተን ኣቢለን ይሳተፋ ኣለዋ።
ተሬሳ መይ " ነዚ ንብዙሓት ናብ ነብሰ ቕትልት ዘምረሖም ዘሎ በሰላ ብመንገዲ እዚ ሚኒስተሪ ኣቢልና መግትኢ ክንገብረሉ ኢና" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Department of Health
ጎኒ ጎኒ እዚ ነቶም ብወለንቶም ንነብሰ ቅትለት ኣብ ምክልኻል ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ገበርቲ ሰናይ፡ ንዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት ናይ 1.8 ሚልዮን ፓውንድ ሓገዝ ክግበረሎም ምኳኑ ሓቢራ ኣላ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማንቸስተር፡ ክኢላን ተመራማርን ነብሰ ቕትለት ዝኾነ ፕሮፌሰር ልዊስ ኣፕለቢ፡ ነዚ ምምስራት ሚኒስተሪ " ኣገዳሲ" ኢልዎ ኣሎ።
ፕሮፌሰር ልዊስ ኣፕለቢ፡ መቓም እዚ ሚኒስተሪ ብዛዕባ ነብሰ ቕትለት ብኹፈት ንኽዝረብን፡ ስቕታ ብዙሓት ክስበርን ዘኽእል ብምኳኑ ኣገዳሲ ይገብሮ ኢሉ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







