መንግ ሆንወይ፡ ሓላፊ ኢንተርፖል ኣብ ቀይዲ ምህላዉ ቻይና ኣፍሊጣ

ሓላፊ ኢንተርፖል መንግ ሆንወይ File photo

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መንግ ሆንወይ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኢዩ ፕረሲደንት ኢንተርፖል ኮይኑ ተመዚዙ

እቲ ተሳኢኑ ዝቐነየ ሓላፊ ኢንተርፖል፡ መንግ ሆንወይ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝርከብ ቻይና ሓቢራ።

ንሱ፡ ምስ ብልሽዉና ብዝተሓሓዝ ጉዳይ መርመራ ይግበረሉ ከም ዘሎ እቲ ካብ በይጂን ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ይገልጽ።

ካብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኢንተርፖል ዝርከበሉ ሊዮን፡ ፈረንሳ ብ25 መስከረም ናብ ቻይና ምስ ተበገሰ ከም ዝጠፍአ ዝግለጽ ሚስተር መንግ፡ ምክትል ሚኒስተር ህዝባዊ ድሕነት ቻይና እዉን ኢዩ።

ሚስተር መንግ ካብ ሓላፍነቱ ክሰናበት ዝሓትት ደብዳበ ከም ዝተቐበለ ድማ፡ ኢንተርፖል ትማሊ ሰንበት ኣፍሊጡ።

እዚ'ውን ኾይኑ ግና፡ በዓልቲ ቤቱ ግሬስ መንግ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሓበቶ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ጠፊኡ ዝተብሃለሉ መዓልቲ፡ በዓል ቤታ ብማሕበራዊ ሚዲያ ናይ ካራ ምስሊ (ኢሞጂ) ከምዝለኣኸላ ተዛሪባ።

ኣብ ምጽራይ ጉዳያት ብልሽዉና፡ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝተዋፈሩ ሰባት ዝነጥፍ፡ ሃገራዊ ኮምሽን ቁጽጽር ቻይና፡ ብሰኑይ ብዛዕባ ሃለዋት ሚስተር መንግ ዝሓበረ።

ኣብዚ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ብዙሓት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን፣ ሃብታማትን ፍሉጣት ሰባትን ኣብ ቻይና ከም ዝጠፍኡ ዝፍለጥ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እታ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚራ ተሰዊራ ዝጸንሐት፡ ተዋሳኢት ፋን ቢንግ ቢን፡ ናብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪባ ይቕረታ ከም ዝሓተትን፡ ምስ ግብሪ ብዝተሓሓዝ ጉዳያት 129 ሚልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ከም ዝተበየነላን ይዝከር።

ኢንተርፖል ከ እንታይ ይብል?

ኢንተርፖል ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሐበሬታ፡ ብህጹጽ ተግባራዊ ዝኸዉን ናይ ስንብታ ደብዳብ ከም ዝተቐበለ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ዉዕሊ እቲ ትካል፡ ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ከገልገል ዝጸንሐ ኮርያዊ ኪም ጆን-ያንግ ግዚያዊ ፕረዚደንት ኮይኑ ተሸይሙ ኣሎ።

ዝመጽእ ወርሒ ዱባይ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ፡ ነተን ተሪፈን ዘለዋ ክለተ ዓመት ዘገልግል ፕረዚደንት ክምረጽ ኢዩ።

ብኹነታት ጥዕና እቲ ሓላፊ ዝተሻቐለ እቲ ዓለም ለኻዊ ትካል ፖሊስ፡ ቻይና መብርሂ ክትህብ ብቐዳም ሓቲቱ ነይሩ።

ፈረንሳ ነቲ ጉዳይ ክትምርምር ጀሚራ እኳ እንተነበረት፡ ዝያዳ ሓበሬታ ከም ዘይረኸበት ብሰንበት ኣፍሊጣ።

ኢንተርፖል 192 ሃገራት ዝሓቖፈ ናይ ፖሊስ ንጥፈታት ዝሰርሕ ዓለም ለኻዊ ትካል ክኸዉን ከሎ፡ ብገበን ዝድለዩ ሰባት ኪንዮ ምክትታል፡ ኣባላቱ ልኢኹ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ናይ ምዉዓል ስልጣን የብሉን።