እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና ካብ ቤት ማእሰርቲ ንዝሃደሙ ክልተ ዜጋታታ ንክተሓዙ ንዝሓበረ ኣሽሓት ዶላር ክትሽልም እያ
ኣብ ቻይና ክልተ ንሕልፈት ዝተፈርዱ ሰባት ካብ ቤት ማእሰርቲ ብምህዳሞም፡ መንግስቲ ነቶም ኣብ ምትሓዞም ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝሃቡ ክሳብ ኣስታት 15 ሽሕ ዶላር ሽልማት ክህቦም ከምዝኾነ ገሊጹ።
ኣብ ቻይና ካብ ቤት ማእሰርቲ ምህዳም ዘይዝውተርን ዘይልሙድን እኳ እንተኾነ፡ ነዞም ክልተ ቻይናውያን ንምሓዝ ኣብ ምሉእ ሃገረ ሃደን ከም ዝተጀመረ ተፈሊጡ።
እዞም ክልተ ቻይናውያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሊዮኒግ ብምህዳሞም እዩ፡ መንግስቲ ቻይና ሃገር-ለኸ ሃደን ጀሚሩ ዘሎ።
ማዕከናት ዜና ቻይና፡ እቲ ህዝቢ ነዞም ዝሃደሙ እሱራት ኣብ ምንዳይ ክተሓባበርን፡ እቶም ንምትሓዞም ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝሃቡ ድማ፡ ኣስታት 15 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ክውሃቡ ከምዝኾኑ ገሊጸን፤ እዚ ፍፃመ ድማ ኣብ ቻይና ዘይንቡር ኢዩ።
እዞም ካብ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሞም ዘለዉ ክልተ ሰባት፡ ንዕድመ ይፍታሕ ማእሰርቲ ኢዮም ተፈሪዶም ነይሮም።
ኣብ ቻይና፡ እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ክሃድሙን ማዕከናት ዜና ድማ ብዛዕባ'ቲ ህድማ ንህዝቢ ክሕብራን ሓድሽ ተርእዮ እዩ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ማዕከናት ዜና ቻይና ከምዚ ዓይነት ህዝቢ ዘሰንብድ ዜና ካብ ምቅላሕ ክቑጠባ ኢየን ጸኒሐን። እቲ ኩነታት ምስሃድአን ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር መንግስቲ ምስኮነን ኢየን ከቃልሓ ጸኒሐን።
ብዓል መን ኢዮም ሃዲሞም?
እቶም ክልተ እሱራት፡ ሓደ ወዲ 33 ዓመት ዋንግ ሊይን፡ ካልኣዩ ወዲ 30 ዓመት ዛንግ ጉሊን ክኾኑ ከለው፡ ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣውራጃ ሊዮኒግ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ሊንግይዋን ኢዮም ሃዲሞም።
ዋንግ ሊይን፡ ብክሲ ምጭዋይ ኣብ 2017 ንሞት ኢዩ ተፈሪዱ ነይሩ። እንተኾነ ብዘርኣዮ ጽቡቕ ጠባይ ድማ ፍርዱ ናብ ዕድመ ይፍታሕ ማእሰርቲ ተቐይርሉ።
ዛንግ ጉሊን ድማ፡ ብስርቂ ኣብ 2009 ንዕድመ ይፍታሕ ማእሰርቲ ተፈሪዱ ጸኒሑ። እዚ ሰብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ ዓመታት፡ ክልተ ግዜ ናይ ምህዳም ፈተነታት ገይሩ ነይሩ።
ጎንጸኛ ብምዃኑ ድማ፡ ኣብ 2014 ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣምባጓሮ ተፈጢሩ ምንባሩ ሓንቲ ጋዜጣ ቻይና ሓቢራ።
ብኸመይ'ከ ሃዲሞም?
እዞም ሰባት ብኸመይ ከምዝሃደሙ ዝሕብር ብዙሕ ዝተገራጨወ ሓበሬታት እኳ እንተሎ፡ 'ቤጂንግ ዩዝ ደይሊ' ዝተባህለ ጋዜጣ ከም ዝሓበሮ ግና፡ እዞም ክልተ ሰባት ናይ ሓለውቶም ዩኒፎርምን ካርድን ብምስራቕ እዮም ክሃድሙ ክኢሎም።
ሃገራዊ ሬድዮ ቻይና ብወገና፡ ዛጊት እዞም ሰባት ከመይ ገይሮም ከም ዝሃደሙ ኣይተፈልጠን ድሕሪ ምባል፡ ምናልባሽ ብመስኮት ገይሮም ሃዲሞም ክኾኑ ይኽእሉ ኢላ።
ህድማ ናይዞም ክልተ ሰባት፡ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ወቐሳ ኣንጻር'ቶም ኣመሓደርቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣስዒቡ። ብዙሓት፡ ምስቲ ቻይና ዘለዋ ዓቢ ናይ ምክትታል ዓቕምን ህላወ ፖሊስን፡ እዞም ሰባት ክሳብ ሕጂ ዘይምትሓዞም ስክፍትኦም ይገልጹ ኣለው።
እቲ ምኽንያት ምናልባሽ ቻይናውያን እቲ ሰሙን ምሉእ ዝበዓል 'ወርቃዊ ሰሙን' ኢሎም ዝጽውዕዎ ሃገራዊ በዓል የብዕሉ ስለዘለው ይኸውን ኢሎም።
ኣሽሓት ተጠቅመቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ እቶም ሓለውቲ ኣብ ስርሖም ዘይብቑዓትን ሸለልተኛታትን ኢዮም ብምባል ክወንጅልዎም ከለው፡ ካልኦት ድማ ብምህዳም ናይዞም ገበነኛታት ብድሕነቶም ከም ዝሻቐሉ ገሊጾም።
ማዕከናት ዜና እንታይ ይብላ ኣለዋ?
ማዕከናት ዜና መንግስቲ፡ እቲ ኩነታት ምስ ሃድአን መንግስቲ ምስ ተቖጻጸሮን፡ ወይ ድማ እቲ ኩነታት ንህዝቢ ስግኣት ከም ዘይኮነ፡ ኣብ ዝተረጋገጸሉ ወይ'ውን እቲ ገበነኛ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ኣብ ዝኣተወሉ ኢየን ንህዝቢ ዘፍልጣ።
ተመሳሳሊ ህድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ነይሩ'ዶ?
ኣብ መስከረም 2014፡ ሰለስተ እሱራት ንሓደ ካብቶም ሓለውቶም ብምቕታል፡ ኣብ ከተማ ሃርቢን ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሞም። ድሕሪ ሓደ ሰሙን ድሕሪ ምርካቦም ድማ ናብታ ዝነበርዋ ቤት ማእሰርቲ ተመሊሶም።