ኢራን፡ ኣብ ገዛ ዝተዳለወ ዝተመረዘ መስተ ዝሰተዩ 42 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ኢራን ዝተመረዘ መስተ ዝሰተዩ 42 ሰባት ከምዝሞቱ ወሃቢ ቃል መንግስቲ እታ ሃገር ገሊፁ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጥዕና ኢራጅ ሐሪርች ከምዝሓበርዎ፡ 16 ሰባት ብርሃን ዓይኖም ክስአኑ ከለዉ፡ 170 ሰባት ድማ፡ እዚ ዝተመረዘ መስተ ድሕሪ ምስታዮም ሕክምና ምፅራይ ኩሊት ንክገብሩ ናብ ማእኸል ጥዕና ተወሲዶም።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ሓሙሽተ ኣውራጃታት ዝነብሩ 460 ሰባት ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም። ካብዚኦም ሓንቲ ጓል 19 ዓመት ንእስቲ ትርከቦም።

ዋላ እኳ ኣብ ኢራን ኣልኮላዊ መስተ ፍቑድ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ውሸጢ ገዛ ኢታኖል ተሓዊስዎ ዝስራሕ መስተ ግና መጠኑ እናወሰኸ እዩ።

እዚ ምስ ኢታኖል ብምሕዋስ ኣብ ገዛ ዝዳሎ መስተ፡ ሓደገኛ ዝኾነ ታኖል ዝበሃል ንጥረ ነገር ተሓዊስዎ እዩ ዝዳሎ።

ፖሊስ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ትርከብ ከተማ ባንዳር ኣባስ ነዚ መስተ ንዘዳልዉ ውለቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣውዒሉ።

ይኹን እምበር ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ማዕቐብ ምንባራ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ሕፅረት ዶላር፡ ኣልኮላዊ መስተታት ዝጥቀሙ ሰባት ናብ ሕሱርን ኣብ ገዛ ክዳለዉ ዝኽእሉን መስተታት ከምዘድሃቡ እዩ ዝግለፅ።

ሰብመዚ ፀረ መዐወንቲ ዕፃት ኢራን፡ በብዓመቱ 730 ሚልየን ዶላር ዘውፅእ 80 ሚልየን ሊትሮ ኣልኮል፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኢራን ከምዝኣትው ገሊፆም።

ኢራን ካብቲ ብ1979 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝነበረ እስላማዊ ሰውራ ንነዘ፡ ዋላ እኳ ኣልኮላዊ መስተታት እንተኸልከለት ፡ ሙስሊም ዘይኮኑ ዜጋታት እታ ሃገር ግና ኣብ ገዝኦም ኣልኮላዊ መስተታት ንከዳልዉ ፈቒዳ እያ።