ኣዴፓ፡ ንኣይተ መላኩ ፈንታን ጀነራል ኣሳምነውን ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ገይሩ

ምንጪ ስእሊ, ANDM CC office
ቅድሚ ኣዋርሕ ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ኣይተ መላኩ ፈንታን ጀነራል ኣሳምነዉ ፅጌን ኣባላት ማእኸላይ ኮሜቴ ኣማራ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ኣዴፓ) ኮይኖም።
ካልኦት ትፅቢት ዘይተገበረሎም ሰባት'ውን ኣብቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ተመሪፆም ኣለዉ።
ብድልየቶም ክለቁ ሕቶ ኣቕሪቦም ዝነበሩ ምክትል ቀዳማይ ሚንስትር ኣይተ ደመቀ መኮነን ከምኡ'ውን ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣብቲ ዝተመረፀ ኮሚቴ ይርከብዎ።
ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ዳግማዊትን ሓላፊ ቢሮ ኮሚዩኒኬሽን ኣይተ ንጉሰ ጥላሁንን ኣባላት እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ኮይኖም።
65 ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ንምምራፅ 75 ሕፁያት ቀሪቦም ነይሮም።
ካብ ነበራት መሪሕነት ሰልፊ (ፖለቲካዊ ውድብ) ኣዴፓ ኣይተ ከበደ ጫኔ፣ ወይዘሮ ፍረህይወት ኣያሌው፣ ወይዘሮ ብስራት ጋሻውጠና፣ ኣይተ ጌታቸው ኣምባዬ፣ ወይዘሮ ዘነቡ ታደሰ፣ ኣምባሳደር ካሳ ተክለብርሃን ክሰናበቱ ተወሲኑ እዩ።
ብኻልእ ሸነኽ፡ ዴሞክርሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ደቡብ (ደኢህዴን) ንቀዳማይ ሚንሰትር ኣይተ ሃይለማርያም ሓዊሱ 23 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ኣሰናቢቱ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







