ብኣዴን ንኣቶ በረኸት ስምኦን ካብ ኣባልነት ማእኸላይ ኮሚቴ ኣጊዱ

ኣይተ በረከት ስምኦን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ማእኸላዊ ኮሚቴ ብኣዴን፡ ንኣቶ በረኸት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን ካብ ኣባልነት ኣጊዱ።

እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ፡ ኣቶ በረኸት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን፡ ሕጂ ብዘለዎም ቅዋም፡ ረብሓ ህዝቢ ኣምሓራ ከምዘይሕልዉ ስለዝተረጋገጸን፡ ኣብ ኮርፖሬሽን ጥረት ብዝሰርሑዎ ጥፍኣትን ክሳብ እቲ ዝቕጽል ስሩዕ ጉባኤ፡ ካብ ማእኸላይ ኮሚቴ ብኣዴን ተኣጊዶም ኢሉ።

ነባር ኣመራርሓ ኣብ ኣኼባ ማእኸላይ ኮሚቴ ክሳተፉ ዝፈቅድ መምርሒ ተሰሪዙ።

ስለዝኾነ ድማ፡ ብሕጂ ኣብ ዝህሉ ኣኼባ ማእኸላይ ኮሚቴ፡ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ዘይኾነ ኣመራርሓ ኣይሳተፍን።

ማእኸላይ ኮሚቴ ብኣዴን ንክልተ መዓልታት ዘካየዶ ኣኼባ ሎም መዓልቲ ዛዚሙ።