እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
አቶ ኩማ ደመቅሳ፡ ንረብሓን ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣዉሪደዮ ኣይፈልጥን
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሓያል ተቓዉሞ ኣለዓዒሉ ዝነበረ፡ ንኣዲስ ኣበባ ምስ ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ከተማታት ኦሮሚያ ከተኣሳስር ኢዩ ዝተብሃለ ማስተር ፕላን፡ ሓደ መዓልቲ ተመሊሱ ክመጽእ ኢዩ ኢሉ ከም ዝሓስብ ኣቦ መንበር ኦህዴድን ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያን ዝነበረ ኩማ ደመቅሳ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኦዴፓ (ኦህዴድ ነበር) ኣብ ከተማ ጅማ ዉድባዊ ጉባኤኡ ኣብ ዘቃንዓሉ እዋን ተሳታፊ ዝነበረ ኣቶ ኩማ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ሓጺር ጽንሖት፡ ብዛዕባ ኣዘራረብቲ ዝነበሩን ንሱ ኣብ ሓልፍነት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝተወጠኑን ተግባራዊ ዝኾኑን ጉዳያት ምላሽ ሂቡ።
ብፍላይ ነቲ ኣብ ኦሮምያ ተለዓዒሉ ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ህዝባዊ ተቓዉሞ፡ መበገሲ ምኽንያት ምኻኑ ዝዝረበሉ ካብ 2006 ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸዉን'ዩ ተባሂሉ ዝነበረ ናይ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዙርያኣ ዝርከባ ናይ ኦሮሚያ ከተማታትን ዝተወሃሃደ ዉጥን ማስተር ፕላን ብዝምልከት ግጉይ ርድኢት ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
እቲ ጉዳይ ምስ ምምዝባል ዜጋታት ስለዝመጸ ኢዩ እመበር "ገስጋሲ ኣተሓሳስባ'ዩ ኢለ ይሓስብ" ዝብል ኣቶ ኩማ፡ ግዜ ክወስድ ይኽእል እምበር እቲ ዉጥን ሓደ መዓልቲ ከም ዝለዓል ገሊጹ።
ብዘይካ'ዚ ንከተማ ኣዳማ ናይ ክልል ኦሮምያ ርእሰ ከተማ ምግባርን ኣብያተ ጽሕፈት እቲ ክልል ናብኣ ክግእዙ ምግባሮምን ኣብቲ ክልል ንሓያል ተቓዉሞ ምኽንያት ከም ዝነበረ ይጥቀስ ኢዩ።
ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝተሓተተ ኣቶ ኩማ እቲ ዉሳነ ጌጋ ከምዘይኮነ ይዛረብ።
ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ክርኢ ከሎ "ሕጂ'ዉን እቲ ሽዑ ዝነበረኒ መርገጺ ጌጋ ኢዩ ኢለ ኣይኣምንን" ድሕሪ ምባል "ኣዳማ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ኮይና እንተ ትቕጽል እታ ከተማ ምዓበየት ነይራ" ክብል ገሊጹ።
ወሲኹ'ዉን ኣብ ጉዳይ ምምራጽ ርእሰ ከተማ፡ ንኹሉ ምንቅስቓሳት ተቖጻጺርካ ስራሕ ንምስላጥ ዝሓሸት ክትምረጽ ሓቢሩ።
ኣብቲ ዉሳነ ዝኾነ ድፍኢት ከምዘይነበረ ክገልጽ ከሎ፡ "ሽዑ ነዚ ዝገበረ ካልእ ሓይሊ ኢዩ ዝበሃል ሓሶት ኢዩ፤ ነቲ ዉሳነ ዝወሰንና ኣነን ምሳይ ዝነበሩን ኢና" ኢሉ።
እዚ ኮይኑ ንመሰል ህዝቢ ኦሮሞ ዝትንክፍ ዉሳነ ኣሕሊፎም ከም ዘይፈልጥ "ብዉልቀይ ንመሰልን ረብሓን ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣዉሪደዮ ኣይፈልጥን" ክብል ጸቒጡ ተዛሪቡ። ካብ ሰብ ዝረኽቦ ድጋፍ ኮነ ነቐፌታ ከምዘየሕስቦ ብምግላጽ "ንህዝቢ ኦሮሞ ዘርብሕ ሓሳብ ወትሩ ከምዝድግፍ" ተዛሪቡ።
ኣቶ ኩማ ደመቅሳ፡ ኦዴፓ (ኦህዴድ ነበር) ካብ ዘሰናበቶም መስረትቲን ነባር ኣባልን ክኸዉን ከሎ፤ ብናቱ ኣረኣእያ ቃልሲ ዝካየድ ኣብ ማእከላይ ኮሚተ ጥራሕ ኮንካ ስለዘይኮነ፤ ካብቲ ኮሚተ ምፍናዉ ካብ ቃልሲ ከምዘይዕንቅፎ ገሊጹ።
ኣቶ ኩማ ደመቅሳ ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ፡ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምኡዉእን ናይ ፈደራልን ክልል ኦሮምያን ላዕለዋይ ሓላፊ ኮይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ።