መርከብ አኳሪየስ ናይ ስራሕ ፍቓዳ ተሓዲጋ

Workers on board Aquarius in dock

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ [መዲተራንያን] ክተሰርሕ ዝጸንሐት ኣኳሪየስ ተባሂላ እትፍለጥ መርከብ ናይ መንቀሳቐሲ ፍቓዳ ብምስራዙ ናይ መጻኢ ምንቅስቓሳ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ`ሎ። ካብ`ቲ ወፊራቶ ዘላ ምስ ተመልሰት ድማ እቲ ናይ ፓናማ ናይ ባሕሪ መለለዪ ባንዴራኣ ከተውርድ ክትግደድ`ያ፡ ብዘይመተካኣታ ባንዴራ ድማ ተመሊሳ ናብ ባሕሪ ክትወፍር ኣይክትክእልን`ያ።

ንሳ ካብ ሊቢያ ንኤውሮጳን ንምስጋር ከተገልግል ዝጸንሐት ናይ መወዳእታ ብብሕቲ እትውነን መርከብ`ያ ነይራ።

እተን ንዓኣ ዘንቀሳቕሳ ትካላት ግብረ-ሰናይ፡ መንግስቲ ጣልያን እቲ ስጉምቲ ንኽውሰድ ኣብ ልዕሊ ፓናማ ጸቕጢ ብምግባሩ ወቒሰንኦ።

እተን ክልተ ነታ መርከብ ዝተኻረያ ትካላት ግብረ-ሰናይ ሓካይም ብዘይ ዶብን ሶስ መዲተራኒን ብዛዕባ`ቲ ውሳነ ብበዓል ስልጣን ማሪታይም ፓናማ ብሰንበት ከምዝተሓበረን ገሊጸን።

እቲ በዓል ስልጣን ማሪታይም እታ መርከብ ንመንግስቲ ፓናማ `ናይ ፖለቲካ ጸገም` ኮይናቶ ጸኒሓ`ያ ከምዝበለ ይፍለጥ፡ ሰበ-ስልጣን ጣልያን ድማ `ህጹጽ ውሳነ` ክወስድ ክሓትዎ ከምዝጸንሑ ሶስ መዲተራኒ ሓቢሩ።

እቲ ቅድሚ ሕጂ ነተን ናይ ረዲኤት መራኽብ ንስደተኛታት `ኣገልግሎት ታክሲ` ዝህባ መራኽብ`የን ክብል ዝገለጸን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጣሊያን ማተዮ ሳልቪኒ፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ፓናማ ጸቕጢ ከምዘይገበረት ሓቢሩ። ናይ ፓናማ ዓለም-ለኻዊ መእተዊ [ኮድ ናምበር] ቴለፎን`ውን `ከምዘይፈልጦ`ውን` ብሰንበት ብመንገዲ ትዊተር ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ጣሊያን ዘሎ ብየማናዊ ክንፊ ሊግን [ራይት ዊንግ ሊግ] ኣንጻር ምምሕዳር ዝኾነ ምንቅስቓስ ሓሙሽተ ኮኾባት [ፋይፍ ስታር ሙቭመንት]ን ዝቖመ ልፍንታዊ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንነጀው፡ ብመንግስቲ ጣሊያን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኣብ ዝውሰድ ስጉምቲ፡ ሚስተር ሳልቪኒ ጉሉሕ ተራ ክጻወት ጸኒሑ`ዩ። በዚ ድማ ምስ ኣንቀሳቐስቲ መራኽብ ህይወት ኣድሕን ብተደጋጋሚ ክራጸም ጸኑሑ`ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ኣብ ሓንቲ መርከብ ናይ ሓለዋ ባሕሪ [ኮስት ጋርድስ] ተጻዒኖም ዝመጹ 150 ስደተኛታት ኣብ ደሴት ሲሲሊ ክወርዱ ኣይፍቀደሎምን`ዩ ብምባል ኣብ ቅሉዕ ቋይቊ ኣትዩ ነይሩ።

ብመሰረት ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 2018 ጥራይ ልዕሊ 1 ሽሕን 700 ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ሞይቶም።

መርከብ ኣኳሪየስ ካብ መጋቢት 2016 ክሳብ`ቲ ናይ እገዳ ስምዕታ ዝተዋህበትሉ ወርሒ ነሃሰ ኣብ`ቲ ቦታ ክትሰርሕ ጸኒሓ`ላ።

እቶም ነታ መርከብ ዘስርሕዋ ትካላት እታ መርከብ ኣብ ተልእኾ እንከላ`ያ እቲ ናይ እገዳ ውሳነ መጺእዎም፡ ኣብ ክልተ ጀላቡ ተሳፊሮም ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ዝነበሩ`ሞ ዘድሓንዎም 58 ስደተኛታት ጽዒና ከምዘላ ድማ ሓቢሮም።

እተን ትካላት ግብረ-ሰናይ ብሕጊ ማሪታይም ተቐዪደን ክሰርሓ ከምጸንሓ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ኣብ ልዕሊአን ዝተወስደ ስጉምቲ ብኣማኢት ንዝቑጸሩ ሰባት ንሞት ምኹናን ማለት`ዩ ብምባል ብሓባር ኣብ ዘውጽእኦ መግለጺ ነጺገንኦ።

መንግስታት ኤውሮጳ ኣብ`ቲ ጉዳይ ኢደን ብምእታው ንሰበ-ስልጣን ፓናማ ብምእማን ይኹን ወይ እታ መርከብ ሓድሽ መለለዪ ባንዴራ ተዋሂቡዋ ስራሓ እትቕጽለሉ መንገዲ ከናድያ ድማ ተማሕጺነን ኣለዋ።