መራኽብ ጥልያን ስደተኛታት ናብ ስፔን ከግዕዛ'የን

መርከብ ኣኳርየስ ብክልተ መራኽብ ጥልያን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ክልተ መራኽብ ጥልያን ሬድኤት መርከብ ንዘድሓነቶም ስደተኛታት ናብ ወደብ ስፔን ቫሌንስያ ኣብ ምብጻሕ ከምዝሕግዙ ገሊጾም።

ሰበ ስልጣን ስፔን ከምዝበሉዎ መርከብ ረድኤት ኣኳርየስ ብክልተ መራኽብ ምድሓን ህይወት ክትሕገዝ'ያ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ቐዳመ ሰናብቲ ካብ ሊቢያ ዝተበገሱ ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ብጥልያንን ማልታን ወደብ ከይትጥቀም ተነጺጋ ጸኒሓ'ያ።

ንቫሌንሺያ ዝግበር ጉዕዞ ግና ኣርባዕተ መዓልታት ክወስድ ከምዝኽእል ይግመት።

ቐዳማይ ሚኒስትር ስፔን ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ሜድትራንያን ንዘድሓነት መርከብ ኣኳሪየስ ስፔን ክትቕበላ'ያ ኢሉ።

ትማሊ፡ ፔድሮ ሳንቼዝ ጥልያንን ማልታን ኣይነሕልፍን ንዝበልኣ ኣኳሪየስ እትበሃል 629 ስደተኛታት ዝፀዓነት ናይ ረድኤት መርከብ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ከይፍጠር ብምስጋእ ስፔን ክትቐበላ እያ ኢሉ።

ካብ ሞንጎ እቶም ስደተኛታት 9 ነፍሰ ጾር እንትኾና 11 ቆልዑት ድማ ይርከቡዎም።

ካብዚኦም ካብ 13 ክሳብ 17 ዓመት ዝኾኑ ካብ ሃገራት ኤርትራ፣ ጋና፣ ናይጀርያን ሱዳንን ዝተበገሱ እዮም።

ኤጀንሲ ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤዉሮጳን ኣብ ሞንጎ ጥልያንን ማልታን ዘሎ ዕንቅጽና ጠጠዉ ከብል ጸዊዐን።

ቐዳማይ ሚኒስትር ሳንቼዝ ድማ እታ ስደተኛታት ዘድሓነት መርከብ ኣብ ቫሌንሺያ ክትኣቱ እያ ክብል ገሊጹ።

ኣብ ዙርያ ምቕባል ኣብ ባሕሪ ዘላ መርከብ ሕጊ እንታይ ይብል?

ከም ኣኳርየስ ዝበላ ህእወት ዘድሕና መራኽብ ብዓለምለኻዊ ሕጊ እየን ዝመሓደራ።

ዓለምለኻዊ ሕጊ ንደሕንነት ኣብ ኣፍ ባሕሪ ዘለዉ ሰባት ድማ ዝኾነት ትኹን ኣብ ኣፋ ፌት ባሕሪ እትርከብ መርከብ፡ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኹነት ክትሕገዝ ኣለዋ ይብል።

ኣብ ጥቓ እትርከብ ሃገር ድማ ካብቲ መርከብ ክተድሕኖም ሓላፍነት ኣለዋ ክብል'ዉን ይድንግግ።

ጥልያን ወይ ማልታ ንምንታይ ኣብየን?

ሓድሽ ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ማቲዮ ሳልቪኒ "ህይወት ምድሓን ግዴታ'ኳ እንተኾነ፡ ጥልያን ናብ ዓብዪ መዕቆቢ ስደተኛታት ምቕያር ግና ግቡእ ኣይኮነን" ብዝብል እታ መርከብ ከይትሓልፍ ከልኪሉ'ዩ።

መራሒ የማናይ ክንፊ ሌጉ ፓርቲ ሳልቫኒ ኣብቶም ዝሓለፉ ቀረባ ሰሙናት ኣንጻር ስደተኛታት ጽኑዕ መትከል ከምዝትሕዝ ተመጻቢዑ'ዩ።

ማልታ ነታ ኣኳሪየስ እትበሃል 629 ስደተኛታት ዝፀዓነት ናይ ረድኤት መርከብ ክትቕበላ ይግባእ ክብል ድማ ተካቲዑ። ማልታ ግን ንፃውዒት ሚኒስትር ኢጣሊያ ነፂጋቶ።

ማልታ ከምዝበለቶ እቲ ኤስኦኤስ ሜድትራኔ ዝበሃል ትካል ረድኤት ነቶም ስደተኛታት ዘድሓኖም ካብ ማያዊ ግዝኣት ሊቢያ ብምዃኑ ንኢጣሊያ እዩ ዝምልከት።

ኢጣሊያ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኣውሮፓ ንዝሰግሩ ስደተኛታት ቀንዲ መሰጋገሪት ኮይና ተገልግል።

'ሊግ' እናተብሃለ ዝፅዋዕ የማናይ ሰልፊ ኢጣሊያ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ መረፃ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ተሪር ቅዋም ከምዝሕዝ ንመረፅቱ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ነታ አኳሪየስ እትበሃል መርከብ ዝውንን ትካል ረድኤት ኤስኦኤስ ሜድትራኔ ከምዝበሎ፤ እታ መርከብ ብሰብመዚ ኢጣሊያ ኣብቲ ሕዚ ዘላቶ ካብ ኢጣሊያ 35 ማይል ባሕሪ ካብ ማልታ ድማ 27 ማይል ባሕሪ ዝርሕቕ ቦታ ደው ክትብል ተኣዚዛ።

በታ ኣኳሪየስ እትበሃል መርከብ ረድኤት ዝደሓኑ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, SOS MEDITERRANEE

እቶም ስደተኛታት ኣብ ጥቓ ገማግም ሊብያ ብዝተገበሩ ሽደሽተ ዝተፈላለዩ ስደተኛታት ናይ ምድሓን ወፍሪታት ዝተኣከቡ እዮም ኢሉ እቲ ትካል ረድኤት።

"ዕላማና ነቶም ሕዚ ኣብ መርከብ ኣኳሪየስ ዝርከቡን ገለ ካብዚኦም ትማሊ ምሸት ኣብ ከቢድ ኩነታት ኮይንና ዘድሓናዮምን 629 ሰባት ውሑስ ኣብ ዝኾነ ወደብ ምውራድ እዩ" ክብል ናይቲ ትካል ውሃቢ ቃል ንሬውቶርስ ተዛሪቡ።

ኤጀንሲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሀገራት፡ ኣብዚ ጉዳይ ኢዶም ንዝሓወሱ ኣካላት "ብቕልጡፍ መፍትሒ" ከናድዩ ፀዊዑ።

ኣብታ መርከብ ዘለዉ መን'ዮም?

መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ካብ ማያዊ ግዝኣት ሊብያ ሰራሕተኛታት ረድኤት ዘድሓንዎም እዮም። መብዛሕተኦም ሰነድ ዘይብሎምን ካብ ትሕተ ሳህራ ኣፍሪቃ ናብ ኣውሮፓ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ብማያዊ ግዝኣት ሊቢያ ኣቢሎም እዮም ዝሰግሩ።

ገለ ካብቶም ኣብታ ዝተዓገተት መርከብ ዝርከቡ ስደተኛታት እቶም 400 ዝኾኑ ኣባላት ሓለዋ ገማግም ኢጣሊያ ዘድሓንዎምን ናብ መርከብ ኣኳርየስ ዘስገርዎምን እዮም።

ኣብ መንጎ እዞም ስደተኛታት 123 በይኖም ዝጓዓዙ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ 11 ኣናእሽቱ ህፃናትን ሸውዓተ ጥኑሳት ደቂኣንስትዮን ይርከበኦም ክብል ኤስኦኤስ ሜድትራኔ ገሊፁ።

እቶም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ካብ 13 ክሳብ 17 ዕድመ ዘለዎምእ እንትኾኑ ካብ ኤርትራ፣ ጋና፣ ናይጄርያን ሱዳንን ዝመፁ እዮም ክትብል ኣብታ መርከብ እትርከብ ጋዜጠኛ አነሊስ ቦርገስ ሓቢራ።

ቅዋም ሳልቪኒ እንታይ እዩ?

ሓድሽ ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣሊያ ማቲዮ ሳልቪኒ ኢጣሊያ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ትከላኸል እያ ዘላ ኢሉ።

በዝሒ ስደተኛታት ዘርኢ ስእሊ

"ማልታ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይትቕበልን" ድማ ኢሉ። "ፈረንሳይ ኣብ ዶባታ ሰባት ትመልስ እያ፤ ስፔን 'ውን ዶባታ ብጠመንጃ ትሕሉ" ኢሉ።

"ማልታ ንዝቐርበላ ሕድሕድ ናይ ሓገዝ ሕቶ 'ኣይፋል' ክትብል ኣይከኣላን። ካብ ሲሲሊ፡ ማልታ እያ ንኣፍሪቃ እትቐርብ" ኢሉ ሳልቪኒ።

እቲ ሚኒስትር ዝሓለፈ ሰሙን ሮማ ቁፅሪ እትሰጎም ስደተኛታት ክትውስኽ ኣለዋ ዝበለ እንትኾን፤ መንግስቲ ኢጣሊያ ድማ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ መላእ ኣውሮፓ ንምስፋር ትልሚ እኳ እንተሃለዎ ገለ ሃገራት ኣውሮፓ ግን ነዚ መስርሕ ነፂገንኦ እየን።

ሳልቪኒ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ባሕሪ ስደተኛታት ዘድሕኑ ትካላት ረድኤት ስጉምቲ ንምውሳድ ይሓስብ ከምዘሎ ኣብሪሁ። ቅድም ክብል ትካላት ረድኤት ምስ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት ሽርክነት ኣለዎም ክብል ምንቃፉ ይዝከር።

ማልታ እንታይ ምላሽ ሂባ?

ውሃቢ ቃል መንግስቲ ማልታ፡ ሀገሩ ኣብቲ ስደተኛታት ናይ ምድሓን ወፍሪ ሱታፌ ኮነ ሓላፍነት ከምዘይብላ ን ኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

ሳልቪኒ ቅድም ክብል'ውን ማልታ ዝግበኣ ብፅሒት ሓላፍነት ኣይትዋፃእን ዘላ ክብል ወቒሱ እዩ።