"መንግስቲ ኤርትራ ኩሉ ነገር ኣብ ሰዓቱ ክገብሮ እዩ!"

ድሕሪ 20 ዓመት ወጥሪ ዶባት ዝተራኸበ ህዝቢ
መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ 20 ዓመት ወጥሪ ዶባት ዝተራኸበ ህዝቢ

ኤርትራውያን ንወርሒ መስከረም ክሳብ እዛ ዓመት እዚኣ ብኽልተ ዓበይቲ ፍጻሜታት ጥራሕ እዮም ክዝክሩዋ ጸኒሖም። ንባሕቲ እታ ወርሒ ብምጅማር ብረታዊ ተጋድሎኦም (1961) ብኽብርን ሓበንን፤ ን18 መስከረም 2001 ከኣ ብኢፍትሓዊ ማእሰርቲ መራሕትን ጋዜጠኛታትን፤ ንመስከረም ለብዘበን 2018 ከኣ፡ ወጥሪ ኩናት 20 ዓመታት ኣብቂዑ፡ ህዝቢ ዶባትን ሰራዊትን፡ ድፋዓት-ደም፡ ግንባር ቡሬ፡ ዛላምበሳን መረብን ብፍቕሪ ኣፍሪሶም፡ ዳግም ተራኺቦም ዕርቀ ሰላም ብምድልዳሎም ብኽብሪ ይዝክሩዋ።

መስከረም 1961፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዓመጽ ንዝፈረሰ ባይቶኡን ብብደዐ ንዝተጋህሰ መሰሉን ንምምላስ ተጋድሎኡ ፈሊሙ፤ ህዘቢ ኣንቂሑን አዕጢቑን ብኹለንትናኡ ጸብለል ንዝብሎ፡ ኣብ ጸሊም ኣፍሪቃ ዝለዓለ ዕጥቅን ሰራዊትን ዝነበሮ ስርዓት ኣብ ዝተናውሐ ኩናት ስዒሩ ናጽነቱ ህያው ብምግባሩ ንመስተንክራዊ ተጋደሎኡ ብሓበን ይዝክሮ።

ዶክተር ጋይም ክብረኣብ፡ ዜጋታት፡ ንፍጻሜ 18 መስከረም 2001 ብኢፍትሓዊ ማእሰርቲ መራሕቲ ሰውራን ሃገርን፡ ብምዕጻውን እተን ኣብ 1996 ተወሊደን ኣብ ሓሙሻይ ዓመተን ዝተቖጽያ ጋዜጣታት ብሕትን ማእሰርቲ ኣዳለውተንን ብሓዘን ይዝክራ።

መንእሰይ ሻም ገብሪኤለ፡ ብዘይ ንቡር መስርሕ ዳንነት ን17 ዓመታት ዝተኣስሩ ገዳይም መራሕትን ጋዜጠኛታትን ዝርከቡዎም እሱራት ሕልናን ሃይማኖትን ንክፍትሑ ይጽውዕ ምህላዉ ብምግላጽ፡ " ዋላኳ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ እወታዊ ደሃይ እንተዘይረኸብና እሱራትና ንክፍትሑ ብቐጻሊ ሰላማዊ ሰልፍታት እናወደብና ድምጽና ከነስምዕ ኢና" ይብል።

ሓደ ካብ ዓበይቲ ሕቶታት፡ እቶም ብኣጋጣሚ 18 መስከረም ዝዝከሩ ዘለው ኣባላት ማእከላይን ሃገራውን ባይቶ ዝነበሩ፡ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም ገዳይም ተጋደልቲ፡ ኣብ ኩናት ዶባት ኢትዮ-ኤርትራ ንዝነበረ ኣተሓሕዛን ኣልያን እቲ ኩናት ብዝምልከት ገምጋም ክግበርን ትምህርቲ ክውሰድን ዝብል ዛዕባ ነይሩዎ።

ኖኤል መድሃኔ

ምንጪ ስእሊ, Noel Medhanie

"እቲ ሕቶ ግን ሕቶ መላእ ህዝቢ እምበር ሕቶ እቲ ጉጀለ ጥራይ ኣይነበረን" ይብል ኖኤል መድሃኔ እቶም እሱራት ንዘልዓሉዎ፡ ከም፦

  • ምዱብ ኣኼባታት ማእከላይ ሽማግለ ኣብ ሰዓቱን እዋኑን ክግበር
  • ስልጣንን ዕማማትን መንግስትን ግንባርን ክፈላለ
  • ገምጋም 10 ዓመታት (1991-2001) ክግበር
  • ኣተሓሕዛን ኣልያን ኵናት ኢትዮ ኤርትራ ክግምገም
  • ኣብ 1997 ዝጸደቕ ቅዋም ክትግበርን ህዝባዊ መንግስቲ ክምስረትን፤ ዝብል ዛዕባታት ኣቐዲሙ ብህዝቢ ይሕተትን ይዝረብን ምንባሩ ብምዝኽኻር።

እዞም ኣብ ሓርነታዊ ቓልሲ ልዑል ተራን ኣበርክቶን ዝነበሮም ተቓለስቲ ኣብ 1991 ብኹለንትናኣ ደኽያን ደኽዲኻን ንዝጸንሓቶም ናጻ ሃገር ክሃንጹ ፋሕተርተር እናበሉ፡ ብዶባት ኩናት 1998 -2000 ንዘጋጠመ ክሳራ ክግምገም ስለዝሓተቱን፡ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሓርነታዊ ቓልሲ ንዝኣተዎ መብጽዓ ክትግብር ኣቐዲሙ ንዝተዘርዘረ ነጥቢ ክትግበርን ስለዝጠለቡ እዮም ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ኣብ ዘይስማዕ ቦታ ተሰዊሮም ዘለው።

ስድራ ቤቶምን ደለይቲ ፍትሒ ዜጋታትን ከኣ ብሕጋዊ መስርሕ ዳንነት ክዳነዩን መሰረታዊ ዜግነታዊ መሰላቶም ክኽበረሎምን ክጽውዑ ጸኒሖምን ይቕጽሉን ኣለዉ።

ፐሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ

ምንጪ ስእሊ, Gaim kibreab

መግለጺ ስእሊ, ፐሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ

"ወጥሪ ዶባት ዘሊቑ ዕርቀ ሰላም ተኣዊጂ ሰላም ሰፊኑ ስለዘሎ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ልቢ አዕብዩ ነቶም ክሳብ ሕጂ ብዘይ ዝኾነ ይኹን መስርሕ ፍርዲ ቀይዱዎም ዘሎ ናይ ሕልና እሱራት ብምፍታሕ ንሃንቀውታ ህዝቢ ክምልስ ትጽቢት ንገብር" ይብል ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ።

ብዳንኤል ተስፋይ ክስመ ዝመረጸ ሓደ ዜጋ ካብ ናይሮቢ ግን፡ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ካብ ነዊሕ ዝተዋስኣሉ ዕርቀ ሰላም ተጠቒሙ ዝተኸስረ ዕድል ንምምላስ ቀስ ብቐስ ይሰርሕ ምህላዉ ብምሕባር፡ " እሱራት ዘይፈታሕካ ቅዋም ዘይተግበርካ ተባሂሉ ክጨናነቕ የብሉን"።

ምስሊ ሰላም

"ኩሉ ነገር ኣብ ሰዓቱ ክገብሮ እዩ። ርግጸኛ እየ ኸኣ መንግስትና ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንኹሎም እሱራት ብምሕረት ፈቲሑ ነባሪ ሰላም ከረጋግጽ'ዩ" ብምባል ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ "ኣብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ልዑል እምነት ኣሎኒ!" ክብል ገሊጹ።

እቲ ሳልሳይ ዝኽሪ ኤርትራውያን፡ እቲ ብ11ን 16ን መስከረም ህዝብን ሰራዊትን ክልቲኡ ሃገራት ድፋዓት-ደም ግንባር ቡሬ፡ ዛላምበሳን መረብን ብፍቕሪ ኣፍሪሶም ዳግም ተራኺቦም ዕርቀ ሰላም ንዝኣወጁሉ ታሪኻዊ ፍጻሜ እዩ።

ኣብ ሰለስቲኡ እዚ ጽምብል ዕርቂ ዝተገብረሉ ግንባራት ኣስካሕካሒ ኩናት ተኻይዱ'ዩ።

ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ወሊዶም ካብ ዝዘመድሉን ንብረትን ሃብትን ካብ ዘጥረዩሉ ሃገር ብሰለስቲኡ መስመራት ተሰጒጎም። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን እውን ብተመሳሳሊ ካብ ኤርትራ ተሰጒጎም። እቲ ኩናትን ንሱ ዘስዓቦ ምክልባትን ሓያል ጽልኢ ፈጢሩ - ሰራዊት ክልቲኡ ሃገራት ን20 ዓመታት ኣብ ዶብ ተፋጢጡ።

ኣብዛ መስከረም እዚኣ ግን ጽልኢ ብፍቕሪ ተሳዒሩ፡ ሓውን ዓረርን ሒዙ ዝተሓላሎ ዝነበረ ሰራዊት ዕጥቂ-ሞት ኣውሪዱ ብፍቕሪ ተጨባቢጡ።

ሻም ገብርኤለን

ምንጪ ስእሊ, Sham Gebriele

መግለጺ ስእሊ, መንእሰይ ሻም ገብርኤለ

እዚ ታሪኻዊ ፍጻሜ ንህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ጥራሕ ዘይኮነ ነህዛብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ፈታው ሰላም ህዝቢ ዓለምን እውን ዓቢ ባህታ ፈጢሩሉ'ዩ።

መንግስታት ዓለምን ኣህጉራዊ ትካላትን "ዮሃና" ብምባል መልእኽቲ ሰላም ኣመሓላሊፎም።

ንዓመታት ተፈላልዮም ዝጸንሑ ደቂ ሓንቲ ስድራ አሕዋት፡ ውሉድን ወላድን፡ ሓውን ሓፍትን፡ መሓዙትን አዕሩኽን፡ መተዓብይትን መማህርትን ተራኺቦም ብፍቕሪ ነቢዖም ተሓቛቚፎም ሳዕሲዖም።

ወይዘሮ ኣለም ፍስሓጼን ካብ ዓዲ ዃላ "ብዓለባ ሳሬት ኢና ተፈላሊና ጸኒሕና" ክትብል መተዓብያታን መሓዙታን ብምርካባ ልባዊ ሓጎሳ ከምእተሰምዓ ንቴለቪዥን ትግራይ ገሊጻ፡ ካብ ራማ መረብ ዝሰገረት መሓዝኣ ትርሓስ ኣየለ ብሩ ነቲ ሃዋሁው ብንብዓት ሓጎስ መስኪራቶ።

ኣዴታት "ኣለና ውዑል'የ ብሓደ ክንውዕል እየ! - እንቋዕ ከምዚኣ በለት'የ ከምዚኣ በለት!" ኢለን እናደረፋ እናሳዕስዓ ይነብዓን እናነብዓ ይስሕቃን ነይረን።

ርክብ ህዝቢ

ድሮ እኳ ዜጋታት ክልቲኡ ሃገራት ካብን ናብን ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዕዳጋ ከተማታት ዶባት ክመውቕን ን20 ዓመታት ጠፊኡ ዝነበረ ንግዳዊ ንጥፈታት ፉሕ ፉሕ ክብልን ጀሚሩ ኣሎ።

ሰራሕተኛ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ሳይንቲስት ኖኤል መድሃኔ፡ እዚ ጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ምሉእ ክኸውንን፡ ኤርትራውያን ንመስከረም ብሓበን ክንዝክራ ክንቅጽልን እቶም ኣብዛ ወርሒ እዚኣን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታትን ዝተቐየዱ እሱራት ክፍትሑን ሃገራዊ ዕርቅን ክእወጅ ክርኢ ልዑል ባህጊ ከምዘለዎ ይገልጽ።

ፕሮፌስር ጋይም ክብረኣብ እውን ብተመሳሳሊ ከምቲ ሊቃውንቲ ዓለም 'ሰባት ምፍታሕ እምበር ምእሳር ትብዓት ኣይኮነን' ዝብልዎ መንግስትና እውን ብትብዓት እሱራቱ ፈቲሑ ዕርቂ ብምፍጣር፡ ሃገር ናብ ጎደና ዕቤት ክመርሓ ምሕጽንትኡ ኣቕሪቡ። መንእሰይ ዳንኤል ተስፋይ ከኣ "መንግስትና ሰዓቱ ምስኣኸለ ዕርቀ ሰላም ክገብር እዩ ርግጸኛ እየ ኸኣ ኣብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ልዑል እምን ኣሎኒ!" ክብል ጽኑዕ እምነቲ ገሊጹ።