ላይቤሪያ፡ ኣብ ደገ ተሓቲሙ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ጠፊኡ ዝተብሃለ መላይን መዓልኡ ተጻሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ላይቤሪያ ወዲ ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ ሓዊሱ ጉዕዞ 15 ሰባት ኣጊዱ።
እዚ ካብ ማእኸላይ ባንኪ ላይቤሪያ ዝተጠፋፍአ ብዓሰርታት ሚሊዮን ዝቑጸር ገንዘብ መዓልኡ ኣበይ ከምዝኾነ ዝግበር ዘሎ ምጽራይ ዝተትሓሓዘ'ዩ ኢሉ ሚኒስርት ሓበሬታ እታ ሃገር።
ኩለን መዉጽኢ ዶባት ላይቤሪያ፡ ምኽትል ኣመሓዳሪ እቲ ማእኸላይ ባንኪ ቻርለስ ሰርሊፍን ኣመሓዳሪ እቲ ባንኪ ዝነበረ ሚልቶን ዊክስን ከይወጽኡ ካብ ሞንጎ ዝተኸልከሉ ምዃኖም ተነጊሩወን።
እንተኾነ ግና ክልቲኦም ዉልቀ ሰባት ክሳብ ሕዚ ዝሃቡዎ ርኢይቶ የለን።
ወይዘሮ ሰርሊፍ ግና፡ እቲ ባንኪ እቲ ምጥፍፋእ ገንዘብ "ብሙሉእ መረዳእታን መብርህን" ስሕተት'ዩ ክብል ኣረጋጊጹ'ዩ ኢለን።
ትማሊ መንግስቲ ላይቤሪያ፡ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ክሳብ ወርሒ ነሓሰ እዚ ዓመት፡ ኣብ ደገ ተሓቲሙ ናብ ዉሽጢ ሃገር ዝኣተወ ብርክት ዝበለ ገንዘብ፡ ኣበይ ከምዝኣተወ ምጽራይ ክጅመር ኣዚዙ'ዩ።
እዚ ጠፊኡ ዝበሃል ዘሎ ገንዘብ 60 ሚሊዮን ዶላር ዝግመት እንትኾን፡ "እዚ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ደሕንነት ዓብዪ ትርጉም ስለዘለዎ፡ መንግስቲ እቲ ዝካየድ ምጽራይ ብጥብቂ ዝወስዶ'ዩ" ክብል መግለጺ እቲ መንግስቲ ኣብሪሁ'ዩ።
ማእኸላይ ባንኪ ላይቤሪያ ግና፡ እቲ ገንዘብ ሒዞም ዝተሰወሩ ኮንቴይነራት ኣበይ ኣትዮም ኣይፈልጥን ክብል ነጺጉዎ'ዩ።
ተዓዋቲት ሽልማት ሰላም ኖቤል ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ግዘ ናይ መረጻ እዋን ኣብ ወርሒ ጥሪ እዚ ዓመት ካብ መዝነተን ወሪደን'የን።
ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ዝነበረ ጆርጅ ዊሃ ድማ ንላይቤሪያ ይመርሕ ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







