እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቡብ ሱዳን፡ ንኲናት ሓድሕድ መዕለቢ ከምጽእ ተተስፍይሉ ዘሎ ስምምዕ
ተቐናቐንቲ ደቡብ ሱዳን ነቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝቐጸለ ኵናት ሓድሕድ መዕለቢ ንምግባር ናይ መወዳእታ ስምምዕ ከቲሞም።
ትማሊ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ጽንብል መቐጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መንጎ ፐረዚደንት ሳልቫ ኪርን መራሒ ተቃወምቲ ሪክ ማቻርን ዝተገብረ ስምምዕ ኢዩ።
እቲ ብፍሽኽታ ኣሰንዮም ዝኸተምዎ ሰነዳት ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ጎረባብቲ ሃገራት ተቐባቢሎም ኣለዉ።
መራሕቲ ዉድብ ኢጋድ ነቲ ሰላም ጻዕርታት ምግባር ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ ኣቑጺሩ ኣሎ።
እቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ንዝቁጸሩ ህይወቶም ክስእኑ ክገብር ከሎ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ካብ መነባብሮኦም ተመዛቢሎም ኢዮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዘስምዖ መደረ "ነቲ ታሪካዊ ፍጻመ ኣብ ንጽንብለሉ እዋን፡ በቲ ኵናት ሓድሕድ ዝጠፍኡ ሰባት ክንርስዕ ኣይግባእን። እዚ ስምምዕ፡ መጻኢ ደቡብ ሱዳን ብሩሕ ከም ዝገብሮ ተስፋ ኣሎኒ" ኢሉ።
ኣብ ደቡብ ሱዳን ንዘጋጠመ ሕልቂት ክልቲኦም ወገናት ተሓተትቲ ከም ዝኾኑ ሰብ ሞያ እቲ ዓዉዲ ይገልጹ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብታ ሃገር ዘሰቀቕ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ከም ዝተፈጸመ መረዳእታ ከም ዘለዎ ይሕብር።
እቲ ጎንጺ ብዘስዓቦ፡ ናሕሪ ናይ ዋጋታታ ምኽንያት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንሕጽረት ምግቢ ክቓልዑ ከም ዝኽእሉ ትካላት ረድኤት የጠንቅቑ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ኣብ መዝነቱ ዝጸንሕ ክኸዉን እንከሎ፡ ማቻር ድማ ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ ምክትል ፕረዚደንትታት እታ ሃገር ኮይኑ ኣብ መሰጋገሪ መንግስቲ ከገልግል ኢዩ።
እንተኾነ ግና ኣብ 2015 ዝተኸተመ ተመሳሳሊ ስምምዕ ነዊሕ ከይጸንሐ ብምፍራሱ ነታ ሃገር ዳግመ ናብ ኵናት ከም ዝመለሳ ዝዝከር'ዩ።
በቲ ክልተ ዓመታት ድሕሪ ነጻነት ደቡብ ሱዳን ዝተኸስተ ኵናት ሓድሕድ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክሞቱ ከለዉ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ድማ ተመዛቢሎም ኢዮም።