እገዳ ኣርቲፊሻል ጽፍርን ቅርንብን ኣብ ታንዛንያዉያን ኣዘራራቢ ኮይኑ

ወሃቢ ቃል ፓርላማ ታንዛንያ ኣርቲፊሻል ጽፍርን ኣርቲፊሻል ቅርንብን ዝገብራ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ፓርላማ ከይኣትዋ ድሕሪ ምኽልካሉ፡ እቲ ዛዕባ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ምኽንያት ድማ ኣብ ጥዕና ዘለዎም ኣሉታዊ ሳዕቤናት ምዃኑ እቲ ወሃቢ ቃል ፓርላማ ጠቒሱ ነይሩ።

ፍረደሪክ ማሺኒ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ስነ-ፍልጠት ጥዕና መምህር ክኸዉን ከሎ፡ ነቲ ኣርተፊሻል ጽፍርን ቅርንብን ንምጥባቕ እንጥቀመሉ ፈሳሲ፡ ንገለ ሰባት ኣካላዊ ቁጥዐ ከስዕበሎም ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ጽሬት'ዉን ካልእ ዘሰክፍ ጉዳይ ኢዩ።

"ኣርቲፊሻል ቅርንብ ሮጊድን ነዊሕን'ዩ እዚ ድማ ባክተርያ ክሰከም የኽእሎ" ይብል።

ተቐማጢት ርእሰ ከተማ ታንዛንያ ዳሬሰላም ዝኾነት ኣርቲፊሻል ጽፍርን ቅርንብን እተዘዉትር፡ ኣሚና ጁማ ግና ዝኾነ ጉድኣት ከም ዘየምጽኣላ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

"ንዓመታት ተጠቒመሎም ኣለኹ ዝኾነ ሳዕቤን ድማ ኣይረኽብኹሎምን ስለዚ ካብ ምጥቃም ኣይከቋርጽን ኢየ" ኢላ።

"ኣርቲፊሻል ጽፍርን ቅርንብን ክገብር ከለኹ፡ ዝያዳ ዝጸበቕኩን ርእሰ ምትእምማን ከምዘለንን ኮይነ ይስምዓኒ፤ ኣብ ቅድሚ ሰባት ድማ ሰሓቢት ይኸዉን" ትብል።

ነዞም ፍርያት ከም ዝጥቀማ ዝገልጻ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ግና ኣርቲፊሻል ቅርንብ ምጥቃም ዝያዳ ከም ዘተሓሳስበን ሓቢረን።

"ኣርቲፊሻል ጽፍሪ ይጥቀም ኢየ፡ ኣርቲፊሻል ቅርንብ ግና ፈጺመ ኣይገብርን ኢየ። የዒንተይ ኣዝየ ኢየ ዘፍቅረን! ኣብ ሓደጋ ከዉድቐን ድማ ኣይደልን" ትብል ሞኒካ ሻዮ።

ኣባል ፓርላማ ኡፐንዶ ፐነዛ ብወገና፡ እቲ ናብ ፓርላማ ዝበጽሓ ደቂ ኣንስትዮ'ዉን ዝምልከት እገዳ፡ ንምትግባሩ ከቢድ ምዃኑ ትገልጽ።

"እናፈተሹ ድዮም ከሕልፉና፡ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን፤ እቲ ወሃቢ ቃል ከም ማዕዳ ተዘቕርበልና ምሓሸ"

"ኣርቲፊሻል ጽፍሪ ወይ ኣርቲፊሻል ቅርንብ ስለዝገበርኩ ጥራይ፡ ካብቲ ህንጻ ከዉጽኣኒ ድማ ኣይክእልን ኢዩ" ኢላ።