እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ክትሳተፍ'ያ።
ኤርትራ ኣብቲ ሎሚ ረቡዕ 12 መስከረም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ክትሳተፍ'ያ።
ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንፈለማ ጊዜ ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝሳተፍ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።
ነዚ ኣጋጣሚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ታሪኻውን ኣገዳሰን ዝገብሮ ድማ ጅቡቲ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ቁጠባን ጸጥታን ሓባራዊ ስምምዕ ዝበጽሓሉ እዋን ብምኻኑ'ዩ።
ብፍላይ ከኣ ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ሞንጎኣን ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ናይ ዶብ ጎንጺ ንምፍታሕ ዝርርብ ንምጅማር ስምምዕ ኣብ ዝገበራሉ እዋን ብምኻኑ ድርብ ይገብሮ።
ኤርትራ ኣብ 2007 ኣብቲ ውድብ ንዝነበራ ኣባልነት ሲሒባ ከም ዝጸንሐት ይፍለጥ።